ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትዊተር ኣብ ልዕሊ ኢላን ማስክ ክሲ መስሪቱ


ትዊተር ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ተስላ ኢላን ማስክ ናይ 44 ቢሊዮን ዶላር ዕድጊ ማሕበራዊ ሚዲያ ንብምሉእ ክፍፅም ከሲሱዎ።

ትዊተር ማስክ ምስ ትዊተርን መሻርኽቱ ዝኣተዎ ግዴታ ንውልቃዊ ረብሓኡ ኣየማለኣን ብምባል ብምንጻጉ ኣብቲ ክሲ ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ቢሊየነር ዝሓለፈ ዓርቢ ምስቲ ኩባንያ ኣብ ሚያዚያ ካብ ዝኣተዎ ውዕል ከምዝወፅእ ድሕሪ ምግላፁ ማስክን ትዊተርን ንግጥም ሕጋዊ ክሲ ክዳለው ፀኒሖም እዮም።

XS
SM
MD
LG