ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

20 ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም ገሊፆም


ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም ዝገለፁ 20 ኣባላት ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምፍትሒ ንምርካብ ክንቀሳቐስ ሓቲቶም።እዞም ኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ንምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ኣብዝለኣኹዎ ደብዳበ ኣብዚ ሕዚ እዋንኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ኣለው ዝበሉዎም ስግኣታት ብምሕባር ዝተስወዱ ስጉምትታት ኣብ ውሽጢ 60 ማዕልታት ከፍልጡዎም ሓቲቶም ኣለው።

እቶም ኣባላት ኮንግረስ 15 ነሓሰ 2012 ዓ\ም ኣብ ዝፀሓፉዎ ደብዳበ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ይርኣይ ኣሎ ብዝበሉዎ ኩነታት ስግኣቶም ገሊፆም።’’ሓይልታት ፀጥታ ይወስዱዎም ኣለው’’ ዝበሉዎም ‘’ብዘይኣገባብ ሓይሊ ምጥቃም፣ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ህውከት፣ካብ ዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ምውፃእ፣ ዝፈጠሩዎም ኣስጋኢ ኩነታት ናብ ሓደገኛ ዝኾነ ዘይምርግጋእ የምርሕ ኣሎ’’ ይብሉ እቶም ኣባላት ኮንግረስ።

‘’ስለዝኾነ ድማ’’ ይብሉ እዞም ኣሜሪካዊያን ኣባላት ኮንግረስ ንፖምፒዮ ኣብዝለኣኹዎ ደበዳበ ‘'ህውከት ጠጠው ንምባልን ንስቪላት ንምሕላውን ምርግጋእን ዝርርብ ንምትብባዕ፣ዴሞክራሲያዊ ትካላት ዓቕሞም ንምሕያል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ኩሎም ሰብ ብፅሒትን ተራኺቦም ክዘራረቡ ነተሓሳስብ’' ኢሎም።

ይርኣይ ዘሎ ቅልውላው ኣብዚ ደረጃ ክበፅሕ ዝኽኣለ ቕትለት ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ምዃኑ ብምዝኽኻር ንናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ከዐንቅፉ ዝኽእሉ ሓደገኛ ዝበሉዎም ናይ ብሄራት፣ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ወጥርታት እናወሰኹ ምምፅኦም ሓቢሮም።

ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት መራሕቲ ፖለቲላ ምእሳሮም፣ ዝምስረቱ ክስታት ምህላዎምን ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ንምኽባር እቲ መንግስቲ ኣርእይዎ ዝነበረ ድልውነት ንድሕሪት ናይ ምምላስ ስግኣት ከምዝሓደሮም ገሊፆም ኣለው።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ናብ መነበረ ስልጣን ኣብ ዝደየብሉ እዋን ፖለቲካዊ እሱራት ብምፍታሕ፣ ተኣጊዶም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ብነፃነት ክንቀሳቐሱ ብምፍቃድ፣ነፃን ፍትሓውን መረፃ ንምክያድ ዝነበሮም ራእይ ብምዝኽኻር ‘’ስርሖም ክጅምሩ ከለው የሰጉምዎ ዝነበሩ ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ንምዕዋት ሎሚ እውን ብዙሕ ስራሕ ከምዘድሊ ግልፂ እዩ’’ ኢሎም።

‘’ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ካብ ዴሞክራሲያዊ መርሓታት ሸተት ትብል ኣላ’’ ዝበሉ እዞም 20 ኣባላት ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዚ መደምደምታ ዘብፅሖም መረዳእታ ክዝርዝሩ ከለው ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ከም እትደረተ፣ጋዜጠኛታትን ተቓወምቲ መራሕቲ ምእሳሮም፣ብኢንተርኔት ሓሳብ ናይ ምግላፅ ደረት ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም።እዞም ኩነታት እዚኦም ህይወማን ራይትስ ዎች፣ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕን ዝኣመሰሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ምምዝጋቦምን ቅድሚ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ እውን ኢትዮጵያ ንዴሞክራሲያዊ መርሆታት ኣብ ምሕላው ንዝተወሰነ ግዜ ከምዝኣበያን ምግላፆም ሓቢሮም።

ዝተወሰኑ ብሄረሰባትን ናይ ሃይማኖትን ዒላማ ዝገበረ ህውከት ብግልፂ ዘርኢዩ ሪፖርትታት ብሓደ ወገን ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ኣውሪዶምዎ ዝበሉዎም ካብ መጠን ዝዘለለ ሓይሊ ድማ ብኻሊእ ወገን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊፆም።’’ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ ‘’ ዝበለ እቲ ደብዳበ ‘’ኣብ መጀመሪያ ናይ ኣብይ ናይ ስልጣን እዋን ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ነፃነት ተኸፊቱ እንተነበረ እውን ሎሚ ግን ብተኸታታሊ ይድረት እዩ ዘሎ’’ክብል ወሲኹ ይግለፅ እቲ ደብዳበ።

‘’ብሰንኪ ህውከት ግጭትን ናይ ነገዳት፣ብሄረሰባትን ፖለቲካን ዘይተረጋግአት ኢትዮጵያ ንዩናይትድ ስቴትስ እትምጥን መሻርኽቲ ኣይትኸውንን፣ዴሞክራሲያዊ እሴታትና ንምርኣይ እውን ክኣብያ እዩ’’ ኢሎም እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ብዝተፈጥሩ ኩነታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ተቓወምቲ ፖለቲካ፣ምስ ናይታ ሃገር ኣክቲቭስታት ክሰርሑን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራሲያዊ መትከላትን ክኽበር ፃዊዒት ንክገብሩ ንምንስቴር ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ ኣተሓሳሲቦም።

ምርጫ ዝካየደሉ ግዜ ዳግም ንምትላምን ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ቅድመ ኩነታት ክፍጠሩ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝርርብ ከካይዱ፣ንኩሎም ዜጋታት፣ተቓወምቲ ፓርትታትን መራኸቢ ብዙሃንን ኢንተርኔትን ሓሳብ ናይ ምግላፅ ምሉእ ነፃነት ክሰፍን፣ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ምዃኑ ብዘንፀባርቕ ኩነታት፣ ብዘይኣግባብ ሓይሊ ምጥቃም ዝኽልኽል፣ብግዜ ዝተደረተን ኣዚዩ ኣድልይ ክኸውን ከሎ ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ኮይኑ ክኽለስ፣ኣብ ቀረባ ምስ ዝነበሩ ዕግርግራት ብዝተኣሳሰረ ዝተኣሰሩ ኣግባብነት ብዘለዎ፣ፍትሓውን ግልፂ ብዝኾነ ናይ ዳይነት ከይዲ ክርኣይ፣ኣብ ቀንዲ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መራኽቢ ብዙሃንን ብዝተፀብፀቡ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ግልፅን ነፃን ምርመራ ክካየድ፣ናይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅትለት ሰበብ ብምግባር ካልኦት ማሕበረሰባት ዒላማ ምግባር ሓዊሱ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ብሄር መምነትን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩ ህውከታት ክኹንኑዎ፣ኣብ ልዕሊ ሃጫሉ ዝተፈፀመ ቅትለት ግልፅን ነፃን ምርመራ ክካየድ ማይክ ፖምፒዮ ፃዕሪ ክገብሩ እዞም 20 ኣባላት ኮንግረስ ፀዊዖም ኣለው።

እቲ ደብዳበ ብምውሳኽ ‘’ኢትዮጵያ ናይ ዴሞክራስን ሰብላዊ መሰላትን መትከላት ኣብ ምሕላው ብዙሕ ፈተና የጋጥማ ኣሎ’’ይብል።ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዞም ጉዳያት ሃናፂ ብዝኾነ ኣገባብ ክትኣቱ ናይ ግድን እዩ ዝበሉ እዞም ኣሜሪካዊያን ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ዝለኣኹዎ ሕቶ እዚ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት ብቐረባ ተኸታቲሎም ኣሽማቶምን ፊርምኦም ኣብቲ ደብዳበ ንዝተዘርዘሩ ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ውሽጢ 60 ማዕልታት ሪፖርት ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ‘’ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሚኖሶታ ሰባት እዮም’’ ዝበልኦም ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ዝርከቡ ሚሻ ጪሪን ጀዋር መሓመድን ክፍትሑ ዝሓትት ደብዳበ ክልተ ኣባላት ሰኔት ክፍለ ግዝኣት ሚኖሶታ ንምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ምልኣኸን ናይቲ ከባቢ ፎክስ ናይን ቴሌቪዥን ፀብፂባ።

ሰኔተራት ኤሚ ክሎቡሻርን ቲና ስሚዝንት ‘’ናይዞም ሚኖሶታዊያን ሰብኣውን ሕጋውን መሰላቶም ክሕለወሎም፣ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ኣለው ዝበሉዎም ህውከትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክግትኡ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፃዕሪ ክገብር ንሓታት’’ ይብል ብመሰረት ፀብፃብ ፎክስ ናይን።

ኣቶ ጃዋር መሓመድ ኣብ ቀረባ ነባሪት ከተማ ብሌይን ሚኒሶታ ምስ ዝኾነት ብዓልቲ ብስልኪ ኣብ ዝተዘራረብሉ ምሕማሙ ከምዝነገረቶን ነገር ግን ብናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሓካይም ክርኣይ ኣዚዩ ከምዘስግኦን ከምዝገለፀላን ፀብፃብ ፎክስ ናይን ወሲኹ ተብፂቡ።

ብዛዕባ እዚ መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ፃዕሪ እናገበርና ኢና።መልሲ ምስ ረኸብና ክነቕርብ ኢና።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስ ዝኾኑ ዶክተር ኣስናቀ ከፍኣለ ብዛዕባ እዚ ደብዳበ ተሓቲቶም ኣብቲ ደብዳበ ዝተጠቐሱ ከም ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ፓርቲ ልዝብ ምክያድ ዝኣመሰሉ ቁም ነገራት እንተወሃለዎ እውን ሓፈሻዊ ድምፀት ናይቲ ደብዳበ ክርአ ከሎ ግን ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ክልኣኽ ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኸቡዎን ኢሎም።

‘’ልኡላዊት ንዝኾነት ሓንቲ ሃገር ዝልኣኽ፣ልኡላዊ ንዝኾነት ሃገር ዝምልከት ዝተፅሓፈ ደብዳበ ኣይመስልን።መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ክገብር ኣለዎ ዝብል ናይ ትእዛዝ ስምዒት እዩ ዘለዎ። ኢትዮጵያን ኣሜሪካን መሻርኽቲ ሃገራት እንተኾና እውን ከምዚ ንዝበለ ሪኢቶ ዘይክትቕበሎ ትኽእል፤ኣይክትቕበሎን እውን’’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG