ዋሽንግተን —
ሓላፊ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ ኣቶ ኦኬሎ ኡማን ዴንግ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም ብዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት 16 ሰባት ተቐቲሎም 12 ህጻናት ድማ ተጨውዮም ተወሲዶም ኣለው።
እቲ መጥቓዕቲ ክሳብ ትማሊ ምሸት ከምዝቐፀለ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ቅድሚ ሎሚ ተወሲዶም ካብ ዝነበሩ 200 ህፃናት እቶም 57 ዛጊት ከምዘይተመልሱ ሓቢሮም።
ሓባራዊ ምንቅስቓስ ንሓድሽ ኢትዮጵያ ብዝብል ናይ ዝፍለጥ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዳይረክተር ኣቶ ኦባንግ መቶ እዚ ብተደጋጋሚ ዝፍጠር ዘሎ ፀገም መንግስቲ ንዜጋታቱ ሓለዋ ስለዝይገብር እዩ ይብሉ።