ዋሽንግተን —
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪየ ሃካን ፊዳን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ድሕሪ ምፍራም ኣሰሓሓቢ ስምምዕ መዘከር ንምሽምጋል ናብ ኢትዮጵያ የምርሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪየ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ እቲ ሚኒስተር ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ታየ ኣጽቀስላሴ ክራኸብ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ቱርካዊ በዓል-መዚ ክረኽቦ መደብ ከም ዘሎ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ኪንዮ’ዚ ሓጺር መግለጺ፡ ክልቲኦም ኣካላት ዝሃቡዎ ዝርዝር ሓበሬታ የሎን። ምስ ሶማልን ኢትዮጵያን ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለዋ እትግለጽ ቱርኪየ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ንሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲኣን ሃገራት ዓዲማ ከተዛቲ ፈቲና ነይራ። እንተዀነ እቲ ፈተነ ብዘይፍረ ድሕሪ ምዝዛሙ ንኻልኣይ እብረ ርክብ ኣብ ኣንካራ ን2 መስከረም ምቍጻሮም ይዝከር።
ቅጥዒ