ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገድታት ኣየር ኢትዮጵያን ቱርኪን  ናብ መቓዲሾ ዘካይድኦ በረራ ሰሪዘን


መንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ዝሃቦ ናይ ተጠንቀቕ ደውል፡ ኣብ መቓዲሾ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ስግኣት ስለ ዝተራእየ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ቱርኪን ናብ መቓዲሾ ዝነበረን ናይ ሰሉስ በረራታት ሰሪዘን። ሰብ-መዚ ሶማልን ኣብተን መንገዲ ኣየራት ዝሰርሑ ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ሰራሕተኛታት ብዛዕባ’ቲ ዝተሰረዘ በረራታት ንድምጺ ኣመሪካ ኣረጋጊጾም።

እንተዀነ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ቱርኪ ብቴክኒካዊ ጸገማት እቲ ናይ ሎሚ ጕዕዞ ከም ዝተሰረዘን ጽባሕ ረቡዕ ግን ክቕጽል ምዃኑን’ዮም ተነጊሮም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ውን እኹላት ተጓዓዝቲ ስለ ዘይነበሩ ነቲ በረራ ክትስርዞ ከም ዝተገደደት’ያ ነቶም ሰራሕተኛታት ሓቢራ።

እንተዀነ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሰለስተ ቦታታት መቓዲሾ ሓደጋታት መጥቃዕቲ ከም ዘሎ መልእኽቲ ከም ዝበጽሖ ኣመልኪቱ። ካብ መንጎተን ቀንዲ ዕላማታት እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ድማ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ መቓዲሾ ምዃና’ዩ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝጠቅስ። ብሰንኩ ድማ ኣብ ሶማል ዝህሉ ኵሉ ምንቅስቓስት ኣመሪካውያን ሎሚ ሰሉስ ደው ከም ዘብሎ እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሶማል ግን እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ክፉት ምህላዉ ብምምልካት ካልኦት ኣህጉራዊ በረራታት’ውን ምእንጋዱ ይገልጽ።

ጉጅለ ኣልሸባብ ንማዕርፎ ነፈርቲ መቓዲሾ ደጋጊሙ ዕላማ ከም ዝገብሮ ይፍለጥ። ኣብ 2016፡ ሓደ ኣባል’ቲ ጉጅለ ኣብ ላፕቶፕ ቦምባ ጽዒኑ ነፋሪት ምስቃሉ ይዝከር። ኣብ በረራ እንከላ ድሕሪ ምፍንጃሩ ግን እታ ዝተሰከማ ቦምባ ንዕኡ ጥራይ’ያ ቀቲላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG