ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓለም ዝበዝሓ ስደተኛታት ዘዕቖበት ቱርኪ ተጽዕኖ'ቲ ዋሕዚ ይጸልዋ ኣሎ


ኣብ ዓለም ዝበዝሓ ስደተኛታት ዘዕቖበት ቱርኪ ተጽዕኖ'ቲ ዋሕዚ ይጸልዋ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00

ኣብ ዓለም ዝበዝሓ ስደተኛታት ዘዕቖበት ቱርኪ ተጽዕኖ'ቲ ዋሕዚ ይጸልዋ ኣሎ

ቱርኪ ነቶም ካብ ዂናት ሕድሕድ ሶርያ ሃዲሞም ንዝመፁ ልዕሊ 3- ሚልዮን ሶርያውያን ሓዊሱ ኣብ ዓለም ካብ ዝኾነ ሃገር ንላዕሊ ስደተኛታት ዘዕቆበት ሃገር እያ። ኣብ ቐረባ ዝተኻየደ ምርጫ'ታ ሃገር ዳግማይ ዝተመረጹ ፕረዚደንት ረጂፕ ጠይብ ኤርዶዋን ምስ ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ሶርያ ናብታ ሃገር ምእታው ተተሓሒዙ ዝለዓል ተቓውሞ ህዝቢ እናሓየለ እንተመፀ'ውን ምስቲ ንስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ክዕቆቡ ዘፍቅድ ፖሊሲኦም ቀፂሎም ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ናብ ቱርኪ ዝተሰደዱ ሶርያውያን ካብ መንበሪታቶምን ሃገሮምን ንላዕሊ እዮም ስኢኖም። 18ዓመት ዝዕድሚኡ ሰሚር ንደሕንነቱ ክበሃል ብሽሙ ብቐዳማይ ጥራሕ ክፅዋዕ ዝመረፀ ሶርያዊ ወለዱን ኣርባዕተ ኣሕዋቱን ኣብቲ ኲናት ሞይቶም እዩ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ክልቲአን ኣእጋሩ እውን ሲኢኑ። ይኹን እምበር ደጊሙ ብእግሩ ክኸይድ እዩ ተስፍኡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG