ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ ንስምምዕነት እኽሊ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ፀቕጣ ተሐይል


ቱርኪ ንስምምዕነት እኽሊ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ፀቕጣ ተሐይል
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:42 0:00

ቱርኪ ንስምምዕነት እኽሊ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ፀቕጣ ተሐይል

ኣብ መንጎ ዩክሬንን ሩስያን ዝተኸትመ እኽሊ ዩክሬን ናብ ዕዳጋታት ዓለም ንምቅራብ ዘፍቅድ ስምምዕ ሩስያ ኣብ ዝመፅእ ሰኑይ ምስ ዘብቅዕ ከምዘይተሐድሶ ምግላፃ ስዒቡ ዳግም ኣብ ጥርጣረ ኣትዩ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ቱርኪ ከም መንጎኛ እቲ ስምምዕ ኣብ ዓለም ከጋጥም ንዝኽእል ቅልውላውን ስግኣትን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ፀቕጢ ትገብር ኣላ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ጣይብ ኤርዶዋን ኣብዚ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድምየር ዘለንስኪ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመንጎኛነት ሕቡራት ሃገራትን ቱርክን ንዝተበፅሐ ስምምዕ ሩስያን ዩክሬንን ንሰደድ እኽሊ ናብ ዕዳጋ ዓለም ተሓዲሱ ክቕፅል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም'ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG