ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ቱርኪ ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ዅናት ቓዛ እዅል ድፍኢት ኣየካየዳን ክብሉ ነቒፎም


ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ጠይብ ኤርደዋን
ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ጠይብ ኤርደዋን

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ጠይብ ኤርደዋን ድሕሪ ፍልስጤማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ሓማስ ንስምምዕ ምቑራጽ ተዅሲ ከም ዝቕበል ምግላፁ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ግን ኣብ ልዕሊ እስራኤል እኹል ድፍኢት ኣየካይዱን ክብሉ ትማሊ ሰንበት ነቒፎም።

ቱርኪ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶም ንዘላ መጥቓዕታት ብምዅናን ብዘይውዓል ሕደር ቶኽሲ ደው ንክብል ፀዊዓ፤ ምዕራባዊያን ሃገራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ንእስራኤል ንዝህብዎ ደገፍ እውን ነቒፋ ኣላ።

ቱርኪ ምስ እስራኤል ንዘለዋ ኩሉ ንግዳዊ ዝምድና ደው ብምባል እስራኤል ብምጥፋእ ዓሌት ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ክፍረዳ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዝወሰደቶ ተበግሶ ንምፅንባር ወሲና ኣላ።

ኣብ ኢስታንቡል ንምሁራት እምነት እስልምና ዝተዛረቡ ፕረዚደንት ኤርደዋን ሓማስ ብቐጠርን ግብፅን ንዝቐረበ ንድፊ ምቁራጽ ቶኽሲ ተቐቢሉዎ ኣሎ፤ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ግን እቲ ኲናት ከብቅዕ ድልየት የብሉን ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG