ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ 38 ሽሕ እሱራት ንምፍታሕ ተዳልየ ትብል


ቱርኪ ናይ ማእሰርቲ እዋኖም ንምውዳእ ትሕቲ ክልተ ዓመታት ዝተረፎም 38 ሽሕ ሰባት ንምፍታሕ ከምዝተዳለወት ኣፍሊጣ።

ሎሚ ረቡዕ ዝወፀ ኣዋጅ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ፈሺሉ ኣብ ዝተብሃለ መፈንቅለ መንግስቲ ተሳቲፎም ብዝብል ንዝተኣሰሩ ኣሽሓት ሰባት ዝእሰርሉ ቦታ ንምድላው እዩ።

እቲ ማእሰርቲ ምሕረት ከይኮነስ ቅድመ ኩነት ዘለዎ ምፍታሕ እዩ ክብሉ ናይ ቱርኪ ምንስቴር ፍትሒ በኪር ቦዝዳግ ኣብ ናት ቲዊተር መልእኽቶም ሓቢሮም።

ብሰንኪ እቲ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ዳያኑ፣ምሁራንን ጋዜጠኛታትን ዝርከቡዎም ልዕሊ 35 ሽሕ ሰባት ንሕቶ ኣብ ቀይዲ ከምዝውዓሉን ልዕሊ 17 ሽሕ ድማ ብወግዒ ከምዝተኣሰሩን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG