ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንከተማ የሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃብ ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ቱርኪን እስራኤልን ክበትኽ ይኽእል’ዩ ክብሉ ፕረ. ኤርደጋን ኣጠንቒቆም


ፕረዚደንት ቱርኪ ረዚፕ ጠይብ ኤርዶጋን
ፕረዚደንት ቱርኪ ረዚፕ ጠይብ ኤርዶጋን

ንከተማ የሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃብ ንኣመንቲ እስልምና ”ቀይሕ መስመር’ዩ” እዚ ድማ ቱርኪ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ እስራኤል ክትበትኽ ክገድዳ’ዩ ክብሉ ፕረዚደንት ቱርኪ ረዚፕ ጠይብ ኤርዶጋን ሎሚ ሶሉስ ኣጠንቂቆም።

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም ነቲ ንከተማ የሩሳሌም ከም ዋና ከተማ ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ርጉጽ መልሲ ኣይሃቡን።

ፕረዚደንት ኤርደጋን ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራምፕ ነታ ከተማ ኣፍልጦ እንተሂቦም ቱርኪ ከም ኣቦመንበር ትካል እስላማዊ ሕብረት ህጹጽ ዋዕላ እቲ ህብረት ከምትጽውዕ ሓቢሮም ኣለው።

ንአባላት ገዛኢ ፓርቲ ቱርኪ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኤርደጋን “ፕረዝደንት ትራምፕ የሩሳሌም ንኣመንቲ እስልምና ቀይሕ መስመር’ዩ” ድሕሪ ምባሎም አባላት እቲ ፓርቲ ድማ ብጣቕዒትን ዋዕዋዕታን ደገፎም ክገልጹ ትራእዮም።

ንሶም ብምቕጻል “ መንግስቶም ቃልሱ ክሳብ መወዳእታ ብምቕጻል ኣድላይ እንተኮይኑ’ውን ምስ እስራኤል ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክበትኹ ክግደዱ” ምኳኖም ኣጠንቒቆም ኣለው።

ኣብ 2010 ዓ.ም እስራኤል ኣብ ከባቢ ጋዛ ዘካየደቶ መጥቓዕቲ 10 ዜጋታት ቱርኪ ምሟቶም ስዒቡ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተላዕለ ምፍሕፋሕ ዝሓለፈ ዓመት ምዝዛሙ ይዝከር።

ክልቲኣን ሃገራት ብፍላይ ኣብ ጽላት ጸዓት ክተሓባበራ ምጽንሓን ዝፍለጥ ኮይኑ ንገዛእ ርእሶም ቀንዲ ደጋፊ ሕቶ ፍልስጤም ምኳኖም ዝአምኑ ፕረዚደንት ኤርደጋን ግን ንፖሊስ እስራኤል ብተደጋጋሚ ክነቕፉ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ መግለጺ ፕረዚደንት ኤርደጋን ድሕሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ቴልኣቪቭ ንምግዓዝ ውሳኔ ኦም ዘፍልጥሉ ናይ ጊዜ ገደብ ክሓልፍ’ዩ ዝብል ርእይቶታት ኣብ ዝለዓልሉ ጊዜ ምውሃቡ’ውን ይፍለጥ።

ኣሜሪካ ኣብ መንጎ እታ ቀንዲ እስላማዊት አባል ኔቶ ዝኮነት ቱርኪን ቀንዲ አጋር ኣሜሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝኾነት እስራኤልን ጽኑዕ ዝምድና ክሕልው ትድግፍ።

XS
SM
MD
LG