ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ኤርዶዋን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ቱርኪ ተዓዊቶም


ፕረዚደንት ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ዳግማይ ምርጫ ተዓዊቶም።

ኤርዶዋን 52 ሚእታዊት ድምፂ ክረኽቡ ከለው መወዳድርቶም ከማል ኪሉችዳሮሉ ድማ 48 ሚእታዊት ድምፂ ረኺቦም ኣለው።

ኤርዶዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ሎሚ ዝተስዓረ የለን። ኩሎም 85 ሚሊዮን እዮም ተዓዊቶም። ብሃገርና ብዝተወሃበና ሓላፍነት ኣይጉሃናን፣ ኣይሓረቕናን ወይ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኣይተቖጣዕናን። ብሰንኪ እቲ ምርጫ ዝነበሩ ኩሎም ክትዓትናን ግጭታትን ናብ ጎኒ ገዲፍና ኣብ ሸቶታት ሃገርናን ሃገራዊ ሕልምታትናን ክንሓብር ኣለና’’ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG