ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ ፕረዚደንታዊን ፓርላመንታዊን ምርጫታት ከተተኣናግድ'ያ


ቱርኪ ዝመጽእ ሰንበት ወሰንቲ ፕረዚደንታዊን ፓርላማን ምርጫታት ከተታኣናግድ እያ። እቲ ውሳነ ናይ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ናይ መዝነት ጊዜ ንሳልሳይ ጊዜ ከናውሕ ወይ ነታ ሃገር ኣብ ሓድሽ ኣንፈት ዘእትውን ክኸውን እዩ።

ቀንዲ መነሓንሕቲ ኤርዶዋን፣ ኣባል ህዝባዊ ሪፐብሊካዊ ፓርቲን ጸጋም ማእከላይ ኣረኣእያ ዝስዕቡ ከማል ኪሊክዳርግሉ እዮም።

ንሶም ሕጹይ ሽዱሽተ ሕብረት ዝፈጠራ ፓርቲታት ከምዝኾኑ፣ ነቲ ኤርዶዋን ዝተኸልዎ ስርዓት ብፓርላመንታዊ ዴሞክራሲ ክትከኦ እየ ከምዝበሉን’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ተንተንቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ሕጹያት ኣዝዩ ዝተጸጋገዐ ድምጺ ስለዘሎ፣ ዕጫኦም ብዳግማይ ምርጫ ክውሰን እዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎም።

XS
SM
MD
LG