ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ : ኣብ መኪና ዝተፃወዱ ክልተ ቦምብታት ሽዱሽተ ሰባት ቐቲሎም


ኣብ ምብራቓዊ ቱርኪ ኣብ ጥቓ መደብር ፖሊስ ኣብ መኪና ዝተፃወዱ ክልተ ቦምብታት ሎማዕንቲ ሓሙስ ንጉሆ ተተኲሶም እንተወሓደ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ልዕሊ 120 ድማ ቆሲሎም።

ፈላማይ ቦምብ ኣብ ከባቢ ቫን ዝተተኮሰ ኮይኑ ሓደ ፖሊስን ክልተ ስቪላትን ቀቲሉ 20 ኣባላት ፖሊስ ሓዊሱ ዓሰርተታት ቆሲሎም።ድሕሪ ሒደት ስዓታት ኣብ መደብር ፖሊስ ኤላዚግ ኣብ መኪና ዝተፃወደ ካሊእ ቦምብ ተተኲሱ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም እንተወሓደ ካልኦት 100 ሰባት ቆሲሎም።

ንቶም መጥቓዕታት ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ የለን፤ሰበስልጣን ግን ኣብ ምብራቓዊ ቱርኪ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ንዕጡቕ ኩርዲ ይኸሱዎም።

XS
SM
MD
LG