ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪየ ንሳልሳይ ዙር ሽምግልና ኢትዮጵያ-ሶማል ብማዕዶ ከተካይድ’ያ


ኣቐዲሙ ካብ ዝተኻየደ ርክብ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ቱርኪየ
ኣቐዲሙ ካብ ዝተኻየደ ርክብ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ቱርኪየ

ንኽልተ ዘይቀጥታዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ኣንካራ ዘተኣናገደት ቱርኪየ፡ ኣብ ክንዲ ከም ዝቐደመ ንተወከልቲ ሃገራት ዓዲምካ ምዝርራብ፡ ብተናጸል ኣቐዲማ ምስቶም ተዛተይቲ ምልዛብ ከም ወሰነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃካን ፊዳን ኣፍሊጡ።

ንኽልተ እዋን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልተኣን ሃገራት ኣብ ቱርኪየ ዘይቀጥታዊ ርክብ ድሕሪ ምክያዶም፡ እቲ ሳልሳይ እብረ ንሰሉስ ተመዲቡ ምንባሩ ይፈልጥ። እንተዀነ ኣቐዲሙ ብሰንኪ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተሰጋገረ ርክብ፡ ንተዛተይቲ ዘረሓሕቕ ነጥብታት ኣቐዲሞም ምስ ክልተ ወገናት ድሕሪ ምጽፋፎም ብኣካል ንዘተ ክጽውዑ ከም ዝመርጹ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪየ ሓቢሩ።

ቱርኪየ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልን ጽቡቕ ርክብ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ክልተኣን ሃገራት ብሰንኪ ስምምዕ መዘከር ባሕቲ ጥሪ ንዝተፈጥረ ምትፍናን ንምሽምጋለን ዝሓሸ መንገዲ ምጕዓዛ ይፈለጥ። እንተዀነ፡ ኣብቲ ዝቐደም ክልተ ርክባት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልን ብኣካል ኣይተራኸቡን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG