ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱኒዝያ ብህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ


ህዝባዊ ተቓውሞ ቱኒዝያ
ህዝባዊ ተቓውሞ ቱኒዝያ

ኣብ ቱኒዝያ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ልዕሊ 300 ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ቱኒዝያ ንዝኾነ ዝለዓል ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ወተሃደራት ተዋፊሮም ምህላዎም ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቱኒዝያ ብህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ ዘላ ግብረመልሲ ናይቲ ዝውስኽ ዘሎ ዋጋ ቀረባት ፣ ወሰኽ ቀረጽን ሽቕለት ኣልቦነትን ከምዝኾነ'ዩ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፣ ኣብ ታላ ዝተባህለት ምስ ኣልጀርያ እትዳወብ ከተማ ዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ተቓውሞ: ነቑጣ ሃገራዊ ጸጥታ ከምዝተቓጸለ ተሓቢሩ። ኣብቲ ነቑጣ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ድማ ክሃድሙ ከምዝተቐስቡ ሮይተርስ ንምንጭታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ገሊጹ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱኒዝያ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ኣብ ተግባራት ስርቅን ቅጥፈትን ዝተዋፈሩ 339 ሰባት ከምዝተኣስሩ ኣፍሊጡ። ንሱ እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅመረሉ ኣትሒዙ ብሓፈሻ ኣስታት 600ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ብተወሳኺ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG