ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ሬሳ 29 ሰባት ከምዝረኸበ ሓቢሩ


ፋይል
ፋይል

ሃገራዊ ሓለዋ ዶብ ቱኒዚያ መብዛሕቲኦም ካብ ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ሬሳ 29 ሰባት ቀዳመ ሰንበት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምርካቡ ገሊጹ: ካልኦት 11 ሰባት ድማ ንህይወት ምርካቦም ሓቢሩ'ሎ።

ሰበስልጣን'ታ ሃገር ብልክዕ ክንደይ ጀልባታት ከምዝጠለቓን ክንደይ ሰባት ጽዒነን ከምዝነበራን ኣይተፈልጠን ይብሉ።

እቶም ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ንምእታው ይጉዓዙ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ'ሎ። ብዙሓት ፍልሰተኛታት ዝሓሸ ህይወት ክረኽብሉ ተስፋ ናብ ዝገብርሉ ናብ ኣውሮጳ ክጉዓዙ ከለው መጀመሪያ ዝዓርፉላ ሃገር ኢጣልያ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ቱኒዚያ ከይስ ሰይድ ኣብ ቱኒዚያ ዝነብሩ ዜጋታት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ገበናት ይፍፅሙ እዮም፤ ንናይ ቱኒዚያ በዝሒ ህዝቢ ስግኣት እዮም ዝብል ዘነኣእስ ርእይቶ ሂቦም ነይሮም። ሕብረት ኣፍሪቃ ንርእይቶ እቶም ፕረዚደንት "ዓሌታዊ ናይ ፅልኢ ዘረባ’’ ክብል ኮኒኑዎ እዩ።

XS
SM
MD
LG