ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱኒዝያ ጉጅለ ልኡኽ ፓርላማ ኤውሮጳ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከልኪላ


ቱኒዝያ ጉጅለ ልኡኽ ፓርላማ ኤውሮጳ ናብታ ሃገር ከይኣትው ከልኪላ። እዚ ዝኸውን ዘሎ እቶም ኣባላት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ቱኒዝያን ብራስልስን ዝተገብረን ንፍልሰተኛታት ንምዕጋት ዝዓለመን ውዕል ድሕሪ ምንቃፎም`ዩ። እቶም ኣባላት ፓርላማ ኣውሮጳ ንተልእኮ ምጽራይ ጭብጢ ሎሚ ሓሙስ ናብ ቱኒዝያ ክኣትዉ መደብ እንተነበሮም'ኳ፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱኒዝያ ብዛዕባ`ቲ ዑደት ዕቃበታት ኣለና ብዝብል ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎም ምፍላጡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ልኡኽ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰበ-ስልጣን ቱኒዝያ ከይንኣቱ ምኽልካሎም ንኹንን እታ ሃገር ኣብ 2011 ደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ትገብር ንድሓር ተራእዩ ዘይፈልጥ ተግባር`ዩ ይብል።

እቲ ብኢጣልያ ዝተደፍኣሉን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተበጽሐን ኣብ መንጎ ቱኒዝያን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተኸተመ ውዕል፡ ሓደሽቲ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንኸይኣትዉ ንምኽልካል፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ቱኒዝያ ብኣማኢት ሚልዮናት ዩሮ ዝቑጸር ሓገዝ ክህብ ዝገብር`ዩ። ሕጂ እቲ ንቱኒዝያ ገንዘብ ዝህብ ውዕል ብቕጽበት ደው ክብል፡ ጸጋማይ ክንፊ ዝሓዙ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ይጽውዑ`ለዉ።

ቱኒዝያ መሰጋገርቲ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ፍልሰተኛታት ኣፍሪቃ ኮይና ጸኒሓ`ላ። ኣብ ቱኒዝያ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ፕረዚደንት ከይስ ሰይድ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንድሐር እታ ሃገር ናብ ምልኪ ትኸይድ ኣላ ዝብል ክስታት ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክቐርብ ጸኒሑ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG