ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 150 ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ ሰጊእና ብዝብል ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻዶም ተፈሊጡ


ደብረ ማርቆስ ዩኒቨርሲቲ
ደብረ ማርቆስ ዩኒቨርሲቲ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ተምሃራይ ተቐቲሉ ካልኦት ሰልስተ ድሕሪ ምቑሳሎም ልዕሊ 150 ተምሃሮ ተወለድቲ ትግራይ ንህይወትና ንሰግእ ኢና ብዝብል ሎማዕንቲ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ገሊፆም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ናይቲ ዩንቨርስቲ ኣቶ ደሳለው ጌትነት ግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ተምሃሮ ሒደት ውሑዳት እዮም፣ንዕኦም ኣዘራሪቡ ዝመልሶም ስ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተጣየሸ ኮሚቴ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይጉዓዝ ኣሎ ኢሎም።

ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ ብዝተፈጥረ ወጥሪ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉ ተቋሪፁ’ሎ።

በቲ ግጭት ክልተ ኣተሓባበርቲ ሕብረት ተምሃሮን ካልኦት ክልተ ተምሃሮን መውቃዕቲ ዝወረዶም ክኸውን ከሎ፡ ካብ መንጎኦም ሰዓረ ኣብርሃ ዝተባሃለ ሳልሳይ ዓመት ተምሃራይ ህይወቱ ሓሊፉ ኣብ ትግራይ ሽረ እንዳስላሰ ከባቢ ሰመማ ትማሊ ስርዓት ቀብሩ ተፈፂሙ’ል።

ኣብርሃ ገብረእግዛብሄር ዝተብሃለ ተምሃራይ ድማ ኣብ ሆስፒታል ባርዳር ይሕከም ኣሎ።ካልኦት ክልተ ክኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሕከሙ ኣለው ብመሰረት ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ኣቶ ጌትነት ደሳለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG