ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ጻውዒት ህወሓት ናብ ህዝቢ ኤርትራ' ኣብ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


አዴታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንፈለማ ጊዜ ዓሚ ክራኸባ ከለዋ
አዴታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንፈለማ ጊዜ ዓሚ ክራኸባ ከለዋ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) - ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ድሕሪ ዘካየዶ ህጹጽ ጉባኤ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ተስፋ ዝህብ ሕዉነትን ዝምድናን ኣብ ምትሕግጋዝን ንኹላትና ዝጠቅም ክኸውንን ኣብ ዘላቒን ዘተኣማምንን ሰላም ክምስረትን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ካብኦም ዝድለ ኩሉ ነገር ንምግባር ድልዋት ምኻኖምን፣ ህዘቢ ኤርትራ ብወገኑ ነዚ ሰላም ዘላቂ ክኸውንን ክጠናኸርን ናይ ባዕሉ እጃም ክፃወት ንፅውዕ’ ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ፡፡

ኣብ ልዕሊ’ዚ ዝላዘቡ ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚዙሪ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝነጥፉ ኤርትራዊ ዶ/ር ጸጋይ ይስሓቕን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬንታክይ ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ኣክሊሉ ሕሉፍን፣ ንጻውዒት ህወሓት ብምንኣድ፣ ኣብ ቀጻሊ ርክብ ክልቲኦም ህዝቢታት ናብ ንቡር ንክምለስ ክፍጸሙ ኣለዎም ዝብልዎም እማመታት'ውን ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣብ ዘረባና፣ ገለ ኤርትራዊያን ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ተፈጺሙ ዝብልዎ መግሃስቲ፣ ምጥራር ዶብን ካልኦትን እናጠቐሱ ንመግለጺ ህወሓት ይነጽጉን ይነቕፉን። ኣጋይሽና እውን ክዘራረብሉ ተሓቲቶም ኣለው። ኣብ ቀጻሊ መደብና ክነቕርቦ ኢና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:14:25 0:00


XS
SM
MD
LG