ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ሓደ ዓመት ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቶ መለስ ዜናዊ


Tsegay Berhe
ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቶ መለስ ዜናዊ ናይ ህወሓት ጥንካረ ኣብ ትግራይ ብዝሰርሖምን ዘመዝገቦም ዓወታትን፣ካብ‘ዚ ተበጊሱ ድማ ኣብ ኢትዮዽያ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣይነከየን፣ኣብ ክንድኡ እናጎልበተ ዝኸደሉ ኩነታት‘ዩ ዘሎ ኢሎም ኣቶ ፀጋይ በርሀ።

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበሩን ኣብ‘ዚ እዋን ናይ ቀ/ሚ ኣማኻሪ ፀጥታ ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ዝርከቡን ኣቶ ፀጋይ በርሀ፣ቀንዲ ፀገም ነቀፍቲ መንግስቲ ንኢህወዴግ ዘይፈልጥዎ ምኻኑ‘ዩ፣ ናይ ህወሓት ጥንካረ ኣካላዎ ዘይኮነስ ህዝባዊ መስመር‘ዩ ይብሉ።ንረብሓ ህዝቢ ተረዲእካ፣ምስ ህዝቢ ኮይንካ ዝፍጠር፣ወገናዊነት‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያን ኤርትራን ኲናት ክውላዕ‘ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረናን ዝብሉ እቶም ኣማኻሪ ፀጥታ፣ካብ‘ዚ ዘሎ ደውታ ወይ ኣይሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ምንጋፍ ዝካኣል በቲ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝሓንፀፆ ባዓል ሓሙሽተ ነጥቢ እማመ ሰላም ምኻኑ‘ውን ሓቢሮም።
XS
SM
MD
LG