ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወዲ ፕረ. ትራምፕ ምስ ሩስያዊት ጠበቓ ምርኻቡ ገሊጹ


ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራሞፕ ንናይ ሩስያ መዘነኦም ብራዲሚር ፑቲን ብዛዕባ’ቲ ሩስያ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ጣልቃ ኣትያ ዝብል ክሲ ኣትሪረ ክልተ ጊዜ ሓቲተዮም’የ ስለዚ ሕጂ ምስ ሞስኮ ሃናጺ ርኽብ ንምፍጣር ንቅድሚት እንደፍኣሉ ጊዜ’ዩ ክብሉ ትማሊ ገሊጾም።

ብኻልእ ዜና ኸአ ዓብይ ወዲ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ እዋን’ቲ ምርጫ ወፍሪ ምረጹኒ ሓጋዚ ሓበሬታ ንምርኻብ ምስ ቤተ መንግስቲ ሩስያ ርኽብ ዘለዋ ጠበቃ ተራኺቡ ከምዝነበረ ትማሊ ገሊጹ’ሎ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ካብ ዋዕላ ብ ጠባ ዝበልጸጋ ሃገራት ጉጅለ 20 ካብ ሃምቡርግ ጀርመን ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ድሕሪ ምምላሶም አብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ፑቲን አብ ምርጫ ኣሜሪካ ጣልቃ ናይ ምእታው ጉዳይ ዝኾነ ግደ ከምዘይነበሮም አትሪሮም ከምዝነጸጉን ገሊጾም ኣለው።

አዛዚ ዋይት ሃውስ ሪነስ ፕሮግባስ ንትካል ዜና ፎክስ ከምዝበልዎ ፕረዝደንት ፑቲን ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ኢደይ ኣየእተኹን እንተበሉ ፕረዝደንት ትራምፕ ግን ገጺሞም ኣይኣመንዎም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ወዲ ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ሩስያዊት ጠበቓ ምርኻቡ ገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

XS
SM
MD
LG