ርፓብሊካዊ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ምርጫ 2016፡ ፋይናንሳዊ መዛግብቲ ብምምስራሕ ብዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ። ትራምፕ ኣብ እዋኑ ንናይ ፖርኖ ሰራሒት ፊልም መዕበሲ-ኣፍ ዝኸፈሎ ፋይናንሳዊ መዛግብቲ’ዩ ንኸይፍለጥ ኣመዕራርዩ።
ንኽሲ ትራምፕ ክምርምር ዝተሓርዩ ህዝባውያን ፈራዶ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ርክብ ድሕሪ ምግባሮም፡ ኣብቲ ዝቐረበሉ ናይ 34 ክስታት ኣብ ኵሉ ገበነኛ ኰይኑ ረኺቦሞ ኣለዉ። እዚ ኣብ ፕረዚደንታዊ ታሪኽ ኣመሪካ ናይ ፈለማ ተርእዮ’ዩ።
ንውሳነ ፈራዶ ድሕሪ ምስማዕ፡ ዶናልድ ትራምፕ ህዝቢ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ክውስን ምዃኑ’ዩ ተዛሪቡ።
“ዝተሰርቀን ዘሕንኽን መስርሕ ፍርዲ’ዩ። ሓቀኛ ፍርዲ ህዝቢ ብዝህቦ ድምጺ 5 ሕዳር ክውሰን’ዩ።”
እቶም ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድምጾም ዝህቡ ግን ንባዕሉ እቲ ተወዳዳሪ’ውን ዘይብሎም ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ። መምህር ኣብ ዩኒቨርስቲ ቨርጂንያ ባርባራ ፐርይ ስለምንታይ ትራምፕ ድምጹ ንኸይህብ ክኽልከል ከም ዝኽእል ከተብርህ እንከላ፤ “ነባርነት ኣብ ፍሎሪዳ እንተቐጺሉ፡ እታ ክፍለ-ሃገር ገበኛታት ክመርጹ ስለ ዘይተፍቅድ፡ ክመርጽ ኣይክእልን’ዩ።”
ወፍሪ ምርጫ ባይደን ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓድሽ መግለጺ ሂቡ ኣሎ። “ዝዀነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ከም ዘይኰነ ሎሚ ኣብ ኒው-ዮርክ መስኪርና ኣሎና፡” ይብል።
ኣቐዲሙ ኣኽባር ሕጊ ዝነበረን ሕጂ መምህር ኣብ ዩኒቨርስቲ ኒውዮርክን ዝዀነ ስቲቭ ኮሀን በቲ ዝተዋህበ ብይነ ከም ዘይተገረመ’ዩ ዝነግር።
“እቲ ክውንነት ወይ ኣብቲ ህዝባዊ ፍርዲ ክትኣምን ኣሎካ፡ ወይ’ውን ኣንጻሩ ኢኻ። ኣነ ሓደ ካብቶም ነቲ መስርሕ ዝኣምነሉ’የ። እቲ ጉዳይ ፍርዳዊ መዕለቢ ተገይሩሉ ኣሎ። ከም ኣረኣእያይ ድማ ብኣዝዩ ጥንቁቕ መስርሕ ሓሊፉ’ዩ እቲ ዝልክዖ ፍርዲ ተዋሂቡዎ ዘሎ። እዚ ክብል ከለኹ ግን ንናይ ይግባይ ተኽእሎ ኣይኰንኩን ዝዓጹ ዘለኹ። እዚ ከም ዘለዎ ኰይኑ፡ ዘይተጸበናዮ ውጽኢት ክንርኢ ግን ተኽእሎ ርሒብ’ዩ።”
ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ዝወሰደ መስርሕ፡ 22 ሰባት ምስክርነት ሂቦም። ካብ መንጎኦም፡ እታ ዶናልድ ትራምፕ ምስኣ ርክብ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ብዛዕባኡ ከይትጠቅስ መዕበሲ-ኣፍ ዝተኸፍለት ሰራሒት ፖርኖ ስቶርምይ ዳኒኤል፣ ኣብቲ ጉዳይ ነቲ ዛንታ ክጸቅጥ ዝተሓተተ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ክፍሊት ዝፈጸመ ናይ ቅድም ጠበቓ ትራምፕ ማይክል ኮሀን ይርከቡዎም።
ዋና ጠበቓ ቤት ፍርዲ ወረዳ ማንሃተን ዝዀነ ኣልቪን ብራግ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ጭቡጥ መሰነይታ ተመርኲሱ ከም ዝተዋሃበ ይምጉት።
“ዋላ’ኳ ክሱስ ካብ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ ክሱሳት ብብዙሕ መንገዱ ዝተፈልየ እንተዀነ፡ ግን ከም ካልእ ሕጋዊ መስርሕ ኣብቲ ዝቐረበ ጭብጥታት ተመርኲስና፡ ብዘይ ዝዀነ ኣድልዎ ኢና ኣብ ፍርዲ በጺሕና።”
መጋብኣያ ን11 ሓምለ ፍርዲ ክህብ’ዩ። እዚ ድማ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ኣብ ዊስኮንሰን ብዝገብሮ ኣኼባ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ወግዓዊ ቅድሚ ምግባሩ ኣብ ዘሎ ውሑዳት መዓልታት ምዃኑ’ዩ።
ቅጥዒ