ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ናይ ፈለማ ናይ ውሕሃ መደረኦም ግዝኣተ ሕጊ ክፍጸሙን ዶባትን ባህልታትን ሰላማዊ ጽምዶ ብዝመልኦ ኣገባብ ክኽበሩ ጸዊዖም


መደረ ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መበል 72ን ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት
መደረ ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መበል 72ን ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሰሉስ 19 መስከረም ኣብ ናይ ፈለማ መደረኦም ተሳተፍቲ መበል 72 ንሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ናይ ነብሰ ቕትለታዊ መስርሕ ከምዝርከቡ ብምግላጽ፤ እታ ሃገር በቲ እትኸዶ ዘላ ኣካይዳ ናብ ሙሉእ ጥፍኣት ትጉዓዝ ከምዘላ ኣጠንቂቖም።

ንሶም ንኻልኦት ግዲ ዘይብሉ መስርሕ ምምዕባል ኑክሌራዊን ተባራዒን ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ንመላእ ዓለም ኣብ ህይወት ብዘኸትሎ የዕናዊ ሳዕቤን ኣስጋኢ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ፕረዚደንት ትራምፕ "ሮኬት ማን" ኢሎም ቅጽል ስም ንዘጠመቕዎ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን: "ንነብሶምን ንሃገሮምን ኣብ ጉዕዞ ነብሰ ጥፍኣት ይመርሕዋ ኣለው " ድማ ኢሎም። ኣምባሳደር ሰሜን ኮርያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንኣዳራሽ ሓፈሻዊ ዋዕላ ቅድሚ ፕረ. ትራምፕ ምምጽኦም ለቒቖም ምውጽኦምን ንሃገሮም ዝወከለት መቐመጢኦም ኣብ ሙሉእ መደረ ፕረ ትራምፕ ባዶ ምንባራን ብተወሳኺ ተገሊጹ።

መደረ ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መበል 72ን ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:40 0:00

ንኢራንን ቨንዝወላን ብዝምልከት'ውን ፕረዚደንት ትራምፕ ተሪር ቃላት ተጠቒሞም ካብ ምውቃስ ኣየናሕሰዩለንን። ንሶም መንግስቲ ኢራን ንሃብታም ባህልን ታሪኽን ኢራን ናብ ብቑጠባ ዝደኸመት ሃገር ብምቕያር: እታ ሃገር "ዕግርግር: ደማዊ ምፍሳስን ቅልውልውን ናብ ካልኦት ተባዝሕ" ገይሮም ከምዝቐየርዋ ጠቒሶም።

ሓደገኛ ተወንጨፍቲ ብምስራሕ በታ ሃገር ንዝውሰድ ናይ ዘይምርግጋእ ስርሒታት ዕሽሽ ተባሂሉ ከምዘይሕለፍ ዝገለጹ ፕረዚደንት ትራምፕ: ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት: እታ ሃገር ኑክሌራዊ ፕሮግራማታ ኣብ ቀጻሊ ከተማዕብል ሽፋን ዝህባ ክሳብ ዝኾነ በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክንቅየድ ኣይኮናን ድማ ኢሎም። ተመሳሳሊ ነቐፌታውን ኣብ ልዕሊ ቬንዝወላን መራሒኣን ኣቅሪቦም።

ን ቀዳምነት ኣመሪካ "America First" ኣብ ዝብል መርሓኦም ኣመልኪቶም ንዋዕለኛታት ኣብ ዘስምዕዋ መደረ: ፕረዚደንት ትራምፕ ኩላትና ልኡላውነትና ረብሓታትናን መጻኢታትናን ከንኽብር ኣለና ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ: "ግዝኣተ ሕጊ ክፍጸሙን ዶባትን ባህልታትን ሰላማዊ ጽምዶ ብዝመልኦ ኣገባብ ክኽበሩ ኣለዎም " ድማ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG