ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቤት ፍርዲ ሙግት እገዳ ክዕወት'የ ይብሉ


Donald Trump
Donald Trump

ሎሚ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ 'ኣብ'ቲ ውግእ ጉዳይ ኢምግረሽንን እገዳ ካብ ሙስሊማት ዝበዝሑወን 7 ሃገራትን ጊዚያዊ ክልከላ' ብዘይጥርጥር ክዕወት'የ' ኢሎም።

ንሶም ኣብ ዘረበኦም 'ጠበቃታት መንግስቲ ነቲ ቤት ፍርዲ ይግባይ ሰሉስ ምሸት ዝሃቦ ብይን ኣንጻር ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ስዒሮም ክወጹ'ዮ' በሉ።

እቲ ናይ ላዕለዋይ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ከቅንዕ ይኽእል'ዩ ይባሃለሉ እቲ ሙግት ጉዳይ እገዳ ኢምግረሽን። ተዘየለ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣማሓይሹ ክትግብር ይኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ክሳብ ሽዑ ግና ሕጋዊ መእተዊ ቪዛ ዝሓዙ ገያሾ ናብ ኣሜሪካ ምእታዎም ክቅጽሉ'ዮም።

XS
SM
MD
LG