ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳያኑ፡ ኣብ ጉዳይ ውሳኔ እገዳ መገሻ ፕረዝደንት ትራምፕ ይኻትዑ


ቤት ፍርዲ ይግባይ ሳን ፍራንሲስኮ
ቤት ፍርዲ ይግባይ ሳን ፍራንሲስኮ

ዝበዝሓ ካብ ህዝበን ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝኾነ ሸውዓተ ሃገራት፡ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝፈረምዎ ኣሰሓሓቢ ውሳነ ዕፅኡ ኣብ ኢድ ቤት ፍርዲ ይግባይ ወዲቑ’ሎ።ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ግዚያዊ እገዳ ንምግልባጥ ጻዕርታት የኻይድ ኣሎ።

ሰለስተ ዳያኑ ዝተሰየምሉ ናይ ሳን ፍራንሲስኮ ቤት ፍርዲ ይግባይ ካብ ክልቲኡ ተፃራሪ ወገን ንዝመፁ ጠበቓታት ክትዕ ትማሊ ሶሉስ ሰሚዑ’ሎ።እዚ ብቴሌፎን ዝተኻየደ ክትዕ ብቐጥታ ብኢንተርኔት፣ብፈነወ ሬድዮን ቴሌቪዥን ተመሓላሊፉ’ሎ።

እቶም ዳያኑ ምምሕዳር ትራምፕ ብምውካል ንዝቐረቡ ጠበቓ ሚኒስትር ፍትሒ ኦገስት ፍሌንጊ ጥርጣርኦም ገሊፆም ኣለው።

ካብቶም ዳያኑ ይግባይ ምስ ክፍለ ግዝኣት ሚኒሶታ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ናይ እገዳ ጉዕዞ ኽሲ ዘቕረቡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ዝኾኑ ኖህ ፐርሰል እውን ሞጊቶምዎም እዮም።ፐርሰል እቲ እገዳ ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ፈልዩ ዒላማ ስለዝገብር ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ዝብል መሪገፂ ሒዞም ተኸራኺሮም ኣለው።

ሮሪ ፍሌሚንግ ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርኒያ ናይ ሕጊ ፕሮፌሰር እዮም።እቶም ዳያኑ ብናይ መንግስቲ ስነ መጎት ዝዓገቡ ኣይመስሉን ይብሉ።እቲ ጉዳይ መሊሶም ናብቲ ዝመፀሉ መጋባእያ ንፍርዲ ክልእኹዎ ይኽእሉ እዮም ይብሉ ።

እቲ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኣብ መወዳእታ ብቕልጡፍ ውሳኔ ከምዘሕልፍ ገሊፁ’ሎ።ቤት ፍርዲ ወረዳ ነቲ እገዳ ጉዕዞ ዝሓለፈ ዓርቢ ብግዚያዊነት ምስ ኣገዶ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ኣብ ምውሓዝ ይርከቡ።

ነቲ እገዳ ዝቃወሙ ወገናት እቲ ናይ ጉዕዞ እገዳ እንተድኣ ፀኒዑ ከምቲ 27 ጥሪ 2017 ዓ.ም ተፈጢሩ ዝነበረ ኣብ ብዙሓት መዓረፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ዓብዪ ምድንጋርን ዕግርግርን ክፍጠር እዩ ይብሉ ።ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብመኮነናት ጉምሩክ ተታሒዞም፣ገሊኦም ድማ ተባሪሮም እዮም።

ፕሮፌሰር ፍሌሚንግ ኣብ ናይ ፌደራል ሰማዒ ይግባይ ዝተፈርደ ይፈረድ ብዘየገድስ እቲ ጉዳይ ክሳብ ናይ ኣሜሪካ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ክበፅሕ ይኽእል እዩ ይብሉ።ዳኛ ኣንቶኒን ስካሊያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሞት ካብ ዝፍለዩ እቲ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ብማዕረ ኣብ ክልተ ዝተመቐለ እዩ።ካብቶም ዳያኑ እቲ ቤት ፍርዲ ኣርባዕተ ናብ ሊበራል ኣርባዕተ ድማ ናብ ዓቃባዊያን ዘዘንበሉ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG