ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ንውድብ ጥዕና ዓለም እንህቦ ገንዘብ ክንሕዞ ኢና' ፕረ. ትራምፕ


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ውድብ ጥዕና ዓለም ንቻይና ዝወገነን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ ህልቂት ኣቐዲሙ ዘይርኣየን ወድብ'ዩ ክብሉ ብምኽሳስ ሃገሮም ነቲ ትካል እትህቦ ሓገዝ ከም እትሕዞ ኣጠንቂቖም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ‘’እቲ ሓደጋ ይመፅእ ከምዘሎ ኣይርኣዩዎን’’ ኢሎም ። ቫይረስ ኮሮና ፈለማ ናብ ዝተኸሰተላ ናብ ቻይና ይውግኑ ኣለው ኢሎም።

‘’ኣዚዮም ናብ ቻይና ዝተፀግዑ ይመስሉ’’ ዝበሉ ፕረ. ትራምፕ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ‘’ክንሪኦ ኣለና’’ ኢሎም።

ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝዓበየ ወፈያ ገንዘብ እትህብ ሃገር እያ።

ኣብ እዋን ለበዳ ነቲ ውድብ ዝውሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምቁራፅ ግቡእ ድዩ ዝብል ብሪፖርተር ንዝቐረበ ሕቶ እቶም ፕረዚደንት ትራምፕ ‘’ከምኡ ኣይበልኩን’’ ክብሉ ንርእይትኦም ብምምሕያሽ ‘’ክንምርምሮ ኢና’’ ኢሎም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ግብረ መልሲ ኣይሃበሉን። ቅድሚ ስዓታት ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ልዕሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ንዝቐርብ ሓፈሻዊ ነቐፌታ ነፂጎምዎ።ዓለምለኸ ናይ ኮቪድ ናይ መከላኸሊ መምርሒ ምቕራብ፣ስልጠና ምሃብን ሚሊዮናት ናይ መከላኸሊ ናውቲ ብምልኣኽ፣ንመንግስታት ብምሕጋዝን ሓዊሱ ዝድነቕ ስራሕ ከምዝሰርሐ ወሲኾም ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓዱሽ ቫይረስ ኮሮና ንናይ ኣሜሪካ ቁጠባ ትብርሊዮናት ዝቑጸር ዶላር ከኽስራን ብዙሕ ሞት ከስዕበላን እዩ ዝብል ናብ ምምሕዳሮም ዝቐረበ ናይ ውሽጢ ቅደመ መጠንቅቕታ ይከላኸሉ ኣለው።

ናይ ትራምፕ ናይ ንግዲ ኣማኻሪኦም ፒተር ኔቫሮ ኮቪድ-19 ኣብ ደርዘን ሃገራት እናተርኣየ ከሎ 29 ጥሪ ፈላማይ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣስሚዖም።

ትራምፕ ነቲ ናይ ኔቫሮ መዘኻኸሪ ፅሑፍ ኣይርኣኹዎን ግን ምኽረ ሓሳብ እዩ ነይሩ ኢሎም።

ኔቫሮ ለካቲት 23 ናብ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብዝለኣኹዎ ናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ ምሉእ ናይ ኮቪድ-19 መጥቓዕቲ 100 ሚሊዮን ንዝኾኑ ኣሜሪካዊያን ክሕዝን ካብ 1 -2 ሚሊዮን ሰባት ክቐትልን እዩ ምባሎም ምንጭታት ዋይት ሃውስ ገሊፆም።

ትራምፕ ንናይ ኔቫሮ ሓደ ሓሳብ ተቐቢሎም ካብ ቻይና ተጎዓዝቲ ምኽልካሎም ይገልፁ።

ኣብ ኣሜሪካ ቁፅሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 405 ሽሕ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 13 ሽሕ በፂሑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG