ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ካብ ኣውሮጳ ኣብ ዝኣትው መስተ 200% ቀረጽ ኣንቢራ


ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ከም ወይኒ ሻምፓይን ዝበለ መስተታት ናይ 200% ግብሪ ከምዘንብር ኣጠንቂቑ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ 27 ሃገራት ዝሓዘ ደንበ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ዊስኪ ናይ 50% ግብሪ ምስ ኣመመ`ዩ።

ትራምፕ ኣብቲ ትሩዝ ሶሻል ዝተባህለ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ መንጎ ኣብ ዓለም ተጻባእን በዳልን ቀረጽ ዘኽፍል`ዩ ክብል ነቒፉ ኔሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንቁጠባ ኣመሪካ ክምዝምዝ ኣብ 1993 ዝቖመ`ዩ ክብል `ውን ኣነኣኢሱ። ነዚ ተሪር ርእይቶኻ ትስሕቦ`ዶ ትኸውን ተባሂሉ ኣብ ዋይት ሃውስ ብጋዜጠኛታት ዝተሓተተ ትራምፕ፡ ርእይቶይ ኣይስሕቦን`የ ንዓመታት ክዘምቱና ጸኒሖም`ዮም ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ኤውሮጳ ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ 28 ቢልየን ዶላር ዝግመት ሰደድ ኣመሪካ ቀረጽ ብምውሳኽ ግብረ-መልሲ ሂባ`ላ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ቀንዲ ዓደግቲ ዊስኪ ኣመሪካ ኮይነን: ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ ብ60% ወሲኹ ጸኒሑ`ዩ።


ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG