ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ ተወሳኺ ግብሪ ይእምት፡ ዕዳጋታት ስቶክ ይነቓነቕ


ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ - ፋይል
ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ - ፋይል

ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢ ሶሻል ትሩዝ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ሜክሲኮ፡ ካናዳን ቻይናን ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንብረት ልዑል መጠን ግብሪ ክውስኽ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ዓለምለኸ ዕዳጋታት ስቶክን መጠን ሸርፊ ሃገራት ተንኪፉ ኣሎ።

“ካብ ሜክሲኮን ካናዳን ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ዘይሕጋዊ መድሃኒትን ሓሽሽን ኣብ ጥዕና ኣመሪካውያን ዓቢ ተጽዕኖ ፈጢሩ ኣሎ፡” ዝበለ ትራምፕ፡ ከም ኣምሳያ ሸለልትነት ካብ ሜክሲኮን ካናዳን ናብ ኣመሪካ ንዝኣቱ ንብረት ናይ 25% ወሰኽ ግብሪ፡ ካብ ቻይና ድማ ኣብቲ ዝጸንሖ ተወሳኺ ናይ 10% ወሰኽ ክግበር ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ሎሚ ሰሉስ ዕዳጋታት ስቶክ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ብሪጣንያ፡ ጃፓን፡ ኣውስትራሊያን ደቡብ ኮሪያን መጠናዊ ምጉዳል ኣርእዩ ኣሎ። መጠንቀቕታ ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጠን ሸርፊ ባጤራታት ፔሶን ናይ ሜክሲኮን ዶላር ካናዳን’ውን መጠናዊ ምንቕናቕ ፈጢሩ ኣሎ።

ትራምፕ ን20 ጥሪ ቃለ-ማሕላ ምስ ፈጸመ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝፍርሞ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ሰለስቲአን ትራምፕ ግብሪ ክውስኸለን ምዃኑ ዘጠንቅቕ ዘሎ ሃገራት፡ ቀዳሞት ሰለስተ መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ እየን። እቲ ዝተባህለ መጠን ወሰኽ ግብሪ ምስ ዝትግበር፡ ንዋጋታት ዕዳጋ ኣመሪካ ኣመና ክጸልዎ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይእምት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG