ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ሕፁይ ሪፓብሊካዊን ፓርቲ ንክኾኑ ሙሉእ ድጋፍ ረኺቦም


APTOPIX Election 2020 RNC
APTOPIX Election 2020 RNC

ሪፓብሊካዊያን ናይ ኣርባዕተ ማዕልታት ጉባኤኦም ትማሊሶኑይ ኣብ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ጀሚሮም፤ንኻልኣይ ናይ ስልጣን ዘመን ንፕሬዝዳንት ዶናልት ትራምፕ ብምሉእ ድምፂ ሓፂዮምዎም።እታ ሃገር ብኮቪድ-19ን ብውድቀት ቁጠባን ተሃሲያ ትርከብ።ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዕኡ ደገፍቲ ትራምፕ ብወገኖም ሕፁይ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ዝኾኑ ጆ ባይደን እንተድኣ ተመሪፆምኣብ ቅድሚኦ ፀልማት ከምዝፅበዮም ኣጠንቂቖም ኣለው።

ኣብቲ ብመጠኑ ንእስ ዝበለ ገሊኡ ብቀጥታ ገሊኡ ድማ ኣቐዲሙ ብዝተቐረፀ መደረን ቪድዮን ትማሊ ምሸት ኣብ ሻርሎት ዝጀመረ ጉባኤ ወኪላት ኩለን ክፍለ ግዝኣታት ንትራምፕ ደጊፎምዎም።ወኪል ክፍለ ግዝኣት ሮድ ኣይላንድ ሊ ኣን ‘’ካብታ ዓባይ ግን ድማ ሒደት ወኪላት ዘለዋ ክፍለ ግዝኣት ሮድ ኣይላንድ ብኩርዓትን ብሓባርን ጠጠው ኢልና ብምልኡ 19 ድምፅና ንፕሬዝዳንት ትራምፕ ሂብና ኣለና’’ ኢላ።

ትማሊ ምሸት ኣብ ዋሽንግተ መደርቲ በብሓደ ንኣተሓሕዛ ለበዳን ቁጠባን ንትራምፕ ተኸላኺሎም።

ህንዳዊት ኣሜሪካዊትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣማባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ዝነበራን ኒኪ ሃሊ ካብኦም ሓንቲ እየን።

ትራምፕ ኣብ ቅድሚት መስርዕ ኣንፃር እቲ ለበዳ ይቃለሱ ምስ ዘለው ሰራሕተኛታት ኣብ ዋይት ሃውስ ሓቢሮም ይርኣዩ።

ዴሞክራት ተነሓናሒኦም ጆ ባይደን ክሰርሕዎ ኣይኽእሉን ዝበሉዎ ዓቃባዊያን ዳያኑ ምሻሞም ብምዝኽኻር ዝፈፀሙዎም ስራሕቲ ጠቒሶም ኣለው ትራምፕ።

‘’ እዞም ፅንፋዊያን ፀገማዊያን ክንፊ ኣዚዮም ዝገደዱ ፅንፋዊያን ዝኾኑ ኣደብ ዘይብሎም ዕቡዳት ዳያኑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ንኽጠልቡ እዮም።ከምኡ እንተኾይኑ ኣሜሪካዊ ሕልምኹም ሞይቱ ማለት እዩ’’ ኢሎም።

ዴሞክራት ኣብዚ እዋን ለበዳ ንባይደን ክድግፉ ይኾኑ እዮን ንዝብሃሉ ድምፂ ብምዕፋን ዳግም ንክምረፁ መልእኽቲ ክዝንግዕ ይፍትኑ ኣለዎ ክብሉ ንትራምፕ ይኸሱዎም።

‘’እዚ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ እቲ ዝዓበየ ምጭብርባር እዩ’’ ኢሎም ትራምፕ።

እዚ ብዴሞራት ዝተባጨወሉ ኣባሃህላ እዩ።

ትራምፕ ኣብ መብዛሕቲኦም ኣሃዛዊ መዐቀኒ ሪኢቶታት ህዝቢ ብድሕሪት ይስዕቡ ኣለው።እቲ ምርጫ ግን ሓደ ግዜ ንሪፓብሊካዊያን ካሊእ ግዜ ድማ ንዴሞክራት ኣብ ዝመርፃ ከም ሚቺጋን ዝኣመሰላ ተወዛወዝቲ ክፍለ ግዝኣታት መን ኣድመፀ እዩ ዝውስን።ናይ ሚቺጋን ሪፓብሊካዊ ወኪል ሮብ ስቲል ‘’ኣብ ሚቺጋን ልዕሊ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ዝረኸቦ ድምፂ ክረክብ እዩ ትፅቢተይ’’ ብምግላፅናይ ኢነርጂ ፖሊስታት፣ ናይ ኣፍረይቲ ፖሊስታት፣ሓዱሽ ናይ ንግዲ ውዕል፣ኩሎም እዚኦም ንሚችጋንን ንላዕላይ ማእኸላይ ምዕራብን ግዙፍ ረብሓ ኣርኪቡሎም እዩ ኢሉ።

ወፍሪ ምርጫ ብዕቱብ ቅድሚ ምጅማሩ ሪፓብሊካዊያን ነቲ ዛንታ መልክዕ ንምትሓዝ ሰለስተ ተወሰኽቲ ምሸታት ኣለዎም።

XS
SM
MD
LG