ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ትራምፕ ኣብ ሓጺንን ኣለመንየምን 25% ግብሪ ከም ዘንብሩ ሓቢሮም


ፕረዚደንት ትራምፕ
ፕረዚደንት ትራምፕ

ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ኩሎም ሓጻውንን ኣለመንየምን ናይ 25% ሓድሽ ግብሪ ሎሚ ሰኑይ ከሕልፉ'ዮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ዘፍለጡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ካብ ዓበይቲ ስፖርታዊ ፍጻመታት ኣመሪካ ዝኾነ ሱፐር ቦል ንምስታፍ ናብ ኒው-ኦርላይንስ ዘምርሕሉ ዝነበረ እዋን'ዩ።

ብዝዓበየ መጠን ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣለመንየም ቀንዲ ኣቕራቢት ካናዳ እያ። ኣብ መጀመሪያ 11 ኣዋርሕ 2024 ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣተው እቲ 79% ካብ ካናዳ እዩ። ሜክሲኮ ድማ ካልእ ቀንዲ ኣቕራቢት ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣለመንየም'ያ።

ኣብ ቀዳማይ እዋን መዝነቶም ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሓፂን 25% ኣብ ኣለመንየም ድማ ናይ 10% ቀረፅ ኣንቢሮም እንተነበሩ እውን ፀኒሖም ግን ንካናዳ፡ ሜክሲኮን ብራዚልን ሓዊሱ ንብዙሓት ንግዳዊ መሻርኽቲ ካብ ግብሪ ነፃ ገይሮምወን እዮም።

እቶም ፕረዚደንት ቅድም ክብል እውን ካብ ካናዳን ሜክሲኮን ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ኣቑሑት 25% ቀረፅ ንምውሳኽ ኣጠንቂቖም እንተነበሩ እውን እቲ ውሳነ ን30 መዓልታት ክናዋሕ ጌሮም ኣለዉ።

ብተወሳሳሊ እውን ካብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ኣቑሑት 10% ቀረፅ ወሲኾም እዮም።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG