- By ዊንታ ኪዳነ
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣርባዕተ ዓንድታት ዝበልዎ ዝተሓንጸጸ መደብ ምምሕያሽ ኢሚግረሽን ገሊጾም
- ን 1.8 ሚልዮን ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ዜግነት ዝ ህብ መገዲ ምንጻፍ
- ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ መንደቕ ዘህንጽ ገንዘብ ምውጻእ
- ዲቪ ተባሂሉ ንዝፍለጥ መስርሕ ምቁራጽ
- "ቸይን ማይግረሽን" ተባሂሉ ንዝፍለጥ ዜጋታት ቤተሰብ ናይ ምምጻእ መስርሕ ምቁራጽ ኢሎም።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ናይ ፈለማ ናይ ኩነተ-ሃገር መደረኦም ብናይ ዲሲ ኣቆጻጽራ ሰዓት 9:00 ምሸት ከስምዑ እዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ንዝተሃንጸ ድልዱል ቁጠባ ከምኡውን ኩሎም ሰልፍታት ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን ስጉምቲ ክወስዱ ጻውዒት ከቕርቡ ትጽቢት ተነቢሩሎም ኣሎ። እዚ ሓባራዊ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝመሓላለፍ ናይ ፈለማ መደረ ኩነተ-ሃገር: ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጹ ኣብ ዓመቶም ዝቐርብ ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ባጀት ኣብ ዝተላዕለ ምስሕሓብ መንግስታዊ ትካላት ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ምዕጻዎም ኣብ ሰሙኑ ዝቐርብ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ: ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብንኡስ ዕድመኦም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናይ ኣመሪካ ናይ ዝኣተው መዕለቢ ክግበረሉ ኣብ ዝስርሓሉ ዘሎ ዝካየድ ዘሎ እዩ።