ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወዳዳሪ ቁጠባ ቀንዲ ረቋሒ ጽልዋ ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ምኳኑ ፕረ. ትራምፕ ገሊጾም


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዘለዋ ቦታ ዝምልከት ስትራተጂካዊ ሃገራዊ ፀጥታ ወግዓዊ ገይሮም።ኣሜሪካ ኣብ ዓለምለኸ ንዘለዋ ተፅዕኖ ቀንዲ ተነሓናሕቲ ቻይናን ሩሲያን እየን ኢሎም።

ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብዝርከብ ህንፃ ሮናልድ ሬገን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ቁጠባዊን ወታሃደራዊን ሓይሊ ኣሜሪካ ሰላም ምስ ፅንዓት ብዝብል "ቅድሚ ኩሉ ኣሜሪካ’’ ንዝብል ዋና ሓሳብ ኣቃሊሖም ኣለው።


“ስትራተጂና ናይ ኣሜሪካ ተፅዕኖ ኣብ ዓለም ንምስጓም እዩ።እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ሃብትን ሓይልን ብምህናፅ ይጅምር።ኣሜሪካ መሊሳ ክትመርሕ እያ።ኣተሓሳስባና ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክንጽዕን ኣይንደልን፤ግን ክብርታትና ብዘይ ስኽፍታ ክነሰጉም ኢና።”

ፕረ.ትራምፕ ሩሲያን ቻይናን ንረብሓታት ኣሜሪካ ብዝፃረር ንዓለም ዳግም ንምስርራዕ ይፍትና ኣለዋ ክብሉ ረቑሖመን ኣለው።

“ደለና ኣይደለና ኣብ ሓድሽ ናይ ንሕንሕ ዘመን ተፀሚድና ንርከብ ኣለና።ኣብ ዙሪያ ዓለም ብርቱዕ ወታሃደራዊ፣ቁጠባውን ፖለቲካዊን ውድድራት ይርኣዩ ከምዘለው ንፈልጥ ኢና።ንኣሜሪካን መሻርኽትናን ስግኣት ምስ ዝኾኑ እከይ ስርዓታት ከምዝገጠምና እውን ንፈልጥ።ኣብ ዙሪያ ዓለም ህውከትን እከይን ዝዝርግሑ ግብረ ሽበራዊያን ስግረዶብ መርበባት ገበንን ገጢሞምና ኣለው።ንናይ ኣሜሪካ ተፅዕኖ፣ክብርታትን ሃብትን ክፈታተኑ ምስ ዝደልዩ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ሩሲያንን ቻይናን እውን ገጢምና ኣለና።”

ንሶም ብተወሳኺ ሰሜን ኮሪያን ኢራንን እከይ ስርዓታት ክብሉ ብምግላፅ ንመንግስቲ ፒዮንግያንግ ንምግላልን ምቁፅፃርን ስትራተጂኦም ፍረ የምፅእ ከምዘሎ ገሊፆም ኣለው ።

ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣሽማት ቅድሚኦም ናይ ዝነበሩ ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ከይጠቐሱ ሕሉፍ ናይ ድሕነት ስትራቴጂታት ፈሺሎም እዮም ኢሎም።

“መራሕትና ካብ ናይ ኣሜሪካ መትከላት ሸተት ኢሎም እዮም።ናይ ኣሜሪካ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ክርኣዮም ኣይክኣለን፤ኣሜሪካ ዓባይ እያ ዝብል እምነቶም ተሸርሺሩ።ከም ውፅኢቱ ኸኣ ዜጋታትና ዝጎደሎም ኣሎ።ህዝቢ ኣብ መንግስቶም እምነት ስለዝስኣኑ ብዛዕባ መፃኢ ዕድሎም እውን እምነት ኣይነበሮምን።ካብ ዝሓለፈ ዓመት ግን እዚ ክልወጥ ጀሚሩ’ሎ።”

“ፋውንዴሽን ፎር ዲሞክራሲ” ኣብ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሑ ዴቪድ ኣደሲንክ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ስትራተጂ ቅድም ኢሉ ንዝነበረን ክንቀፍ ዝፀንሐን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ካብ ዝተመስረት ናይ ፀጥታ ስትራተጂ ዝተፈለየ እዩ ይብሉ።

ናይ ቀደም ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ 2015 ዓ.ም ለውጢ ኩነታት ኣየር ንናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት እዩ ክብሉ ንዝገለፁዎ ናይ ትራምፕ ስትራተጂ ምግዳፉ ይንቀፍ።ኣማኸርቲ ፕረ.ትራምፕ ግን እቲ ሰነድ ኩነታት ኣየር ፈተና ምዃኑ ብንፁር ኣየርእይን ክብሉ ይነፅጉዎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG