ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ካብ ተወጢኑ ዝነበረ ጊዜ ኣቐዲሞም ካብ  ኣኼባ ሃገራት ደቡብ ምስራቕ ኤስያ ምምላሶም ተገሊጹ


ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኤስያ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ 12 መዓልታት ዑደት ዛዚሞም ሎሚ ሓሙስ ናብ ኣሜሪካ ተመሊሶም ኣለው። ኣብቲ ዑደት እዘን ሃገራት ቀንዲ መዛተይ ጉዳይ ዝነበረ ስግኣት ኑክሌር ሰሜን ኮርያን ኣብ መዳይ ንግድን ምኳኑ’ውን ተገሊጹ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ካብ ሓደ ጊዜ ንላዕሊ ኣኼባታት ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ድሕሪ ምድንጓዮም ነቲ ደረት ኣልቦ ዋዕላ ሃገራት ምብራቕ ኤስያ ብምቁራጽ ካብቲ ተወጢኑ ዝነበረ ኣቐዲሞም ናብ ኣሜሪካ ተመሊሶም ኣለው።

ፕረዝደንት ትራምፕ ንሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ረክስ ቲለርሰን ኣብ ክንድኦም ኣብቲ ኣኼባታት ክሳተፉ ምጽውዖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሰበ ስልጣን ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ፕረዝደንት ትራምፕ ክጸንሑ ወጢኖም እንተነበሩ’ኳ ሓሳቦም ኣብ እዋን ምሳሕ ንመራሕቲ ምትእኽኻብ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤስያ ምግላጾም ሓቢሮም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ትማሊ ሶኑይ ምስ ቀዳማይ ሚንስተራት ኣውስትራልያን ጃፓንን ድሕሪ ምዝርራቦም ኣብ ጉዳይ ኑክሌር ሰሜን ኮርያን መዳይ ንግዲን “ዓብይ መግለጺ” ከምዝህቡ ቃል ኣትዮም ምንባሮም’ውን ይፍለጥ።

“ረቡዕ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ ንበጽሓሉ እዋን ምሉእ መግለጺ ኣብ መዳይ ንግዲን ጉዳይ ኑክሌር ሰሜን ኮርያን ካልእ ጉዳያትን ክወሃብ እዩ። ኣብ መዳይ ንግዲ ምስ መሻርኽትና ዓብይ ስጉምቲ ወሲድና ኣለና። ካብቲ ትፈልጥዎ ዝያዳ ዝዓበየ፡ ብተወሳኺ ኣስታት 300 ቢልዮን ዶላር ኣብ መሸጣ ንዝተፈላልየ ትካላት ንቻይና ሓዊስኻ 250 ቢልዮን ዶላር ንዝሓወሰ’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ ዝለዓለ ዝደልደለን ክኸውን እዩ። ኣብ መዳይ ንግዲ ብዙሕ ዓብይ ምዕባለታት ሰሪሕና ኢና።ዳርጋ ካብ ኩሉ ኪሳራ ኣለና። እዞም ኪሳራታት ብቅልጡፍን ብብዙሕን ክጎድሉ እዩም።”

ርክብ ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ናይ ኣውስትራልያ ማልኮም ተርንቡልን ናይ ጃፓን ሱሺኖ አበ ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ዞባዊ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ስግኣት ሰሜን ኮርያ ሓዊስካ ዝዓብይ ዘሎ ዝምድና ዝረእይ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ንምብጻሕ ፕረዚደንት ትራምፕን ንህላወ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ ኤስያ ዝቃወሙ ንካልኣይ መዓልቲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ጎደናታት ከተማ ማኒላ ሰልፊ ምክያዶም ተገሊጹ።

እንተኾነ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብዚ ናይ ሃገራት ኤስያ ዑደቶም ንዝተቐበልዎ ሃገራት ንዒዶም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብዚ ናይ 12 መዓልታት ዑደቶም ኣብ ጃፓን፡ደቡብ ኮርያ፡ቻይና፡ ቬትናምን ፒሊፒንስ ምብጽሖም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG