ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ፈተነ ቅትለት ትራምፕ፡ ሰዓብቱ ደገፎም የዛይዱ


ቀዳም ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደሉ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝጀመረ ዋዕላ ርፓብሊካውያን ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ሚልዋኪ ዊስኮንሲን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሰልፊ ርፓብሊካውያን፡ ደገፍቲ ትራምፕ ነቲ ካብ ፈተነ ቅትለት ዝደሓነ ተወዳዳሪኦም ጸሎት ከብጽሑ ይርኣዩ። ትራምፕ ብሰንበት’ዩ ናብታ ከተማ ኣትዩ።

ሂላሪዮ ደሌኦን ናይ ሚልዋኪ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ርፓብሊካውያን’ዩ። “ምሉእ ቃና ጎስጓስ ምርጫ ተቐዪሩ’ዩ። መልእኽቲ’ውን ከምኡ ተለዊጡ። ሓደ ሰብ ንሕጹይ ተወዳዳሪና ክቐትሎ ፈቲኑ፡ ዘገርም’ዩ።”

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘውጽኦ፡ በቲ ፈተነ ቅትለት ርዒዱ መደባቱ ከም ዘይቅይር ገሊጹ።

ኢሚ ደክሉ ካብ ሚዙሪ ተወኪላ ናብዚ ዋዕላ ዝመጽአት’ያ። “ነፍሲ-ወከፍ ገለ ነገር ክገጥሞ እንከሎ፡ ትራምፕ ንኽዕወት ዘለዎ ጸብለልታ ዘርጉድ’ዩ። ሕጂ ናይ ልዑል ሰብ ምስሊ ሒዙ’ዩ።”

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ተወካሎ ደቡብ ካሮሊና፡ ናይ ቀዳም ፍጻመ ክሳብ ክንደይ ትሪ ከም ዝወሰኸሎምን ከም ዘሕረኖምን ይዛረቡ። ብሕልፊ ድሕሪ ማህረምቱ፡ ካብ እዝኑ ደም እናወጽአ፡ ኢዱ ዓሚዅ “ቃልስኹም ቀጽሉ” ዝበሎ ቃል ኣብ ብዙሓት ደገፍቱ ተሰሚራ ኣላ። የቮኒ ጁሊያን ድማ እታ ምስሊ’ቲኣ ካብ ቅድሚ ዓይና ክትስወር ከም ዘይክኣለትን ትነግር። እታ ምስሊ ድማ ንዘልኣለም ክትዝከር ምዃና ትኣምን።

ሃራሚ ትራምፕ AR-ዝዓይነቱ ብረት ገይሩ’ዩ ተኲሱ። እቲ ዓይነት መሳርያ ቅድሚ ሎሚ ንጃምላዊ መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ዝውዕል’ዩ። እንተዀነ እዚ ተግባር’ዚ ንርፓብሊካውያን ኣብ ምቍጽጻር ብረት ዘለዎም መርገጺ ዝልውጥ ኣይመስልን።

ካብ ደቡብ ካሮሊና ዝተወከለት በኪ ማክሉሃን፡ እቲ ጸገም ብረት ዘይኰነስ ኣብ ኢድ ጌጋ ሰባት ምስ ዝወድቕ’ዩ ትብል።

ፕረዚደንት ባይደን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣመሪካውያን ፍልልያቶም ብድምጺ ክገልጹ ጸዊዑ ነይሩ። ባይደን ኣብ መደረኡ፡ ጎነጽ ፍታሕ ከመጽእ ከም ዘይክእል’ዩ ተዛሪቡ። ባይደን ነዚ ዋዕላ ዝካየደሉ ዘሎ ስፍራ’ውን ጽኑዕ ሓለዋ ክግበረሉ ጸዊዑ ኣሎ።

ተሳታፊት እዚ ዋዕላ ዝዀነት ዴብራ ማኒንግ’ውን ንሕብረት’ያ እትጽውዕ።

“ናብ ንቡር ኣተሓሳስባን ግንዛበን ክንምለስ ከድልየና’ዩ። እንታይ ዝመስል ኣዕናዊ ተግባራት ይፍጸም ከም ዘሎ ምልስ ኢልና ክንሓስብን ርግእ ኢልና ክንመዝን ከድልየና’ዩ።”

ድሕሪ’ዚ ናይ ቀዳም ፈተነ ቅትለት፡ ጭርሖ እቲ ዋዕላ ንጭርሖ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ትራምፕ ብምድጋም፡ “ኣመሪካ ደጊምና ውሕስቲ ንግበራ።” “Let’s Make America Safe Again” ክኸውን ከም ዘለዎ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓሳባቱ ኣካፊሉ ነይሩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG