ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴሞክራትን ሪፓብሊካዊያንን ምስፍሕፋሕ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ኣሜሪካዊያን ማስክ ክገብሩ ጸዊዖም


ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኮሮናቫይረስ ብናህሪ ይጋፋሕ ኣብዘለሉ ኣሜሪካዊያን ነቲ ለበዳ ንምዕጋት ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ \ማስክ\ ክገብሩ ብኣባላት ዴሞራቲክ ፓርቲክቐርብ ዝፀንሐ ፃውዒት ላዕለዎት ሰበስልጣን ሪፓብሊካዊያን ፓርቲ እውን ይፅንበሩ ኣለው። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብማስክ ምሽፋን ክቃወሙዎ ዝፀንሑ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ እውን ድምፀቶም ዝቕይሩ ዘለው ይመስሉ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ንነዊሕ ግዜ ሰብ ኣብዝተኣከቦ ማስክ ንዘይምሽፋን ክከላኸሉ ድሕሪ ምፅናሕ ሕዚ ኣብ ገሊኦም ኩነታት ክገብር እየ ኢሎም ኣለው።

ነቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ንፃዕርታት ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታትን ከባቢያዊ ሰበስልጣንን ትማሊ ሓሙስ ደጊፎም ኣለው።‘’ምሽፋን፣ምፍንታት፣ምምርማርን ውልቃዊ ፅርየትን ይሓውስ እዩ።ኢድኩም ተሓፀቡ’’ኢሎም ትራምፕ።

ሕዚ እውን እንተኾነ ማስክ ናይ ምሽፋን ኣስገዳድ ትእዛዝ ኣይኣውጁ እምበር ድምፀቶም ቅሩብ ዝተቐየረ ይመስል።

ዩናይትድ ስቴትስ ብቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ልዕሊ 52,000 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ መዝጊባ ኣላ።ኣብ ሓደ ማዕልቲ ክንድዚ ክትምዝግብ እዚ ናይ መጀመሪያእዩ።ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብ80 ሚታዊ ወሲኹ ኣሎ።ተወሰኽቲ ሪብፓሊካዊያን ኣባላት ኮንግረስ እውን ነቲ ፃውዒት ምስ ዴሞክራት መዘናታቶም ተፀንቢሮምዎ ኣለው።

ኣብ ሰኔት ላዕለዋይ ሪፓብሊካዊ መራሒ ሚች ሚኮነል ‘’እቲ ቀንዲ ትገብሮ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ንባዕልኻ ምክልኻል ጥራሕ ከይኮነስ ክታበት ክሳብ ዝርከብ ንኻልኦት እውን ምክልኻል እዩ፤ነዚ ንምግባር ድማ ማስክ ተኸደኑ፤ብዙሕ ሕልኽልኽ ዝበለ ኣይኮነን’’ ኢሎም።

ማስክ ኣብ ካልኦት ሃገራ ጉዳይ ጥዕና ክኸውን ከሎ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴት ግን ፖለቲካዊ ዛዕባ እዩ።ፒው ዝተብሃለ ማእኸል ምርምር ኣብ ቀረባ ኣብዘካየዶ መፅናዕቲ 75 ሚታዊ ኣባላት ዴሞራቲክ ፓርቲ ማስክ ይሽፈኑ ከለው ኣባላት ዴሞራሲያዊ ፓርቲ ድማ 53 ሚእታዊ እዮም።

ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ጆ ባይደን ነቲ ምክፍፋል ተሓታቲ ፕሬዝዳንት ትራምፕ እዮም ክብሉ ይኸሱ።

‘’እቲ ፕሬዝዳንት ኣንፈት ኣይህብን ዘሎ፤የግዳስ ነን ሕድ ሕድና የባእሰና ኣሎ።ብከምዚ ክንቕፅል ኣይንኽእልን፤ፍርቅና እናሓወና ፍርቅና ክንሓምም የብልናን።ገሌና ማስክ እናተኸደና ገሌና ድማ ንሳይንስ እናነፀግና ክንኸይድ ኣይንኽእልን’’ ኢሎም።

ምኽት ፕሬዝዳንት ማይክ ፔንስ ኣብ ቀረባ ማስክ ምግባር ጀሚሮም፤ካልኦት ክሽፈኑ ፀዊዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG