ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጻኢ ኣብ ልዕሊ ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበ ሕጊ ከመይ ክኸውን'ዩ?


መጻኢ ኣብ ልዕሊ ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበ ሕጊ ከመይ ክኸውን'ዩ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:36 0:00

መጻኢ ኣብ ልዕሊ ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበ ሕጊ ከመይ ክኸውን'ዩ?

ሓድሽ ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ምቅርራብ ናብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ጎዳኢ ሓበሬታ ክህቡለይ ይኽእሉ’ዮም ኢሎም ዝሰግኡሎም ሰነዳት ኣደናጊሮም ተባሂሎም 34 ዓይነታት ክሲ ገበነኛ ኢኹም ተባሂሎም እዮም። ብይን ግና ድሕሪ ምርጫ ይኹን ተባሂሉ ተናዊሑ ነይሩ። ንሶም ሎሚ ፕረዚደንት ክኾኑ ተመሪጾም ኣለው። ስለዚ፣ ቀጺሉ እንታይ እዩ ዝኾን?

ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ንዝፈጸምዎ ገበን ተመጣጣኒ ፍርዲ ክረኽቡ ድዮም? ዘይተመለሰ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ዳኛ ክፍለ ግዝኣት ኒውዮርክ ዋን መርቻን፣ ንጉዳይ ፕረዚደንት ነበር፣ ገበነኛ ዝተባሃለን ሎሚ ፕረዚደንት ንክኾኑ ዝተመርጹን አብ ዝምርምርሉ እዋን ክውስኑ እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG