ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሰናባታይ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ሽም ከይጠቐሱ ንፕሬዝዳንት ባይደን ሰናይ ተመኒዮም


ተሰናባታይ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ናይ ዝትክኡዎም ሽም ከይጠቐሱ ንሓዱሽ ምምሕዳር ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ናይ መወዳእታ ምሉእ ናይ ስልጣን ማዕልቶም ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ሽሞም ከይጠቐሱ ንዝትክኡዎም ዴሞክራት ጆ ባይደን ፀሎትን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒትን ገሊፆምሎም።

‘’ኣብዚ ሰሙን ሓዱሽ ምምሕዳር ንፅምብል ኣለና። ኣሜሪካ ውሕስትን ዝበልፀገትን ክትኸውን ኣብ ምግባር እዚ ምምሕዳር ክዕወት ንፅልይን ኢና’’ ኢሎም ፕሬዝዳንት ትራምፕ ስልጣን ፕሬዝዳንትነቶም ከብቅዕ 20 ስዓታት ኣብዝተረፎም ብቪዲዮ ኣብ ዝዘርግህዎ መልእኽቲ።’’ሰናይ ድልየትና ነቕርበሎም።ፅቡቕ ዕድል ክገጥሞም ድልየትና እዩ፤ኣዚዩ ኣገዳሲ ቃል!’’

ኣብቲ ናይ ቪዲዮ መልእኽቶም ትራምፕ ‘’ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝዓበየ ቁጠባ’’ ብምህናፅ ንርእሶም ሞሳ ሂቦም ኣለው። ‘'ብፍላይ ድማ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ሓዱሽ ኵናት ዘየንቀሉ ፈላማይ ፕሬዝዳንት ምዃኖም ኩርዓት ከምዝስምዖም’’እውን ገሊፆም።

እቲ ቪዲዮ ብዋይት ሃውስ ኣቢሉ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝተዘርግሐሉ ግዜ ንተመራፃይ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ዝፀዓነት ናይ ውልቂ ጄት ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ Joint Base Andrews ዓሪፋ።እዚ መዕረፎ ነፈርቲ ትራምፕ ሎሚ ረቡዕ ንጉሆ ናይ መወዳእታ ስነስርዓት ስንብት ዝገበሩሉ እዩ።ብAir Force One ኣቢሎም ናብ ፍሎሪዳ ተጓዒዞም ኣለው።

ትራምፕ ንዝፀንሐ ባህሊ ምስታፍ ፅምብል ቃለ ምሓላ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ብክልቲኡ ሓፈሻዊ ናይ ህዝቢን ናይ ኤሎክቶራልን ድምፂ ዝተዓወቱ ባይደን ብምስባር ዘሊሎምዎ ኣለው።

ምኽትል ፕሬዝዳንት ማይክ ፔንስ ኣብ ትሕቲ ዝለዓለ ሓለዋ፣ምኽትል ፕሬዝዳንት ካማላ ሃሪስ ቃለ ምሓላ ምስ ፈፀማ ድሕሪ 15 ደቓይቕ ከባቢ ፍርቂ ማዕልቲ ኣብ ካፒቶል ዝተኻየደ ስነስርዓት ቃለ ምሓላ ተሳቲፎም ኣለው።

ትራምፕ ነቲ ንፅምብል ዝተመቻቸወ ምርኢት ብመሽኮት ሳልሳይ ደብሪ ዝርከብ መደቀሲ ክፍሎም ኣቢሎም እዮም ዝሪኡዎ።2021 ብዝብሉ ባነራት ዝወቀቡ ፅሕፋት።

ምሪኢትን ካልኦት ምንቅስቃሃሳትን ፅብምብል ባይደን ሃሪስን ብሰንኪ ስግኣት ፀጥታን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ነኪዩ እዩ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፐሎሲ ትራምፕ ካብ ስልጣን ዝተባረርሉ /ኢምፒች ዝኾንሉ/ ዓንቅፅ ወይ ውሳነ ኣብ መወዳኣት እዚ ሰሙን ናብ ሰኔት ክልእኽኦ ትፅቢት ይግበር።

ዴሞክራት ዝተቶፃፀሩዎ ቤት ምኽሪ 10 ሪፓብሊካዊያን ተሓዊሶምዎም ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ትራምፕ ዓመፅ ብምልዕዓል ካብ ስልጣኖም ክልዓሉ ወሲኑ እዩ።6 ጥሪ 2021 ኣ\ፈ እቶም ፕሬዝዳንት ውፅኢት ናይቲ ምርጫ ክልወጥ ክቃለሱ ንደገፍቶም ፃውዒት ድሕሪ ምቕራቦም ንካፒቶል ወሪሮም።

‘’እቲ ዕስለ ሕሶት ተመጊቡ’’ ኢሎም መራሒ ሰኔት ሚች ሚኮኔል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰኔት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ። ‘’ብቶም ፕሬዝዳንትን ካልኦት ሓያላት ሰባትን እዮም ተደፊኦም’'ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ዴሞክራት ኣባል ኮንግረስ ጃኵን ካስትሮ ንABC News ኣብ ዝ ሃብዎ ሪኢቶ ሓደ ካብ ምኽኒያታት ናይቲ ካብ ስልጣን ምብራር \Impeachment/ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ዳግም ናይ ፌደራል ስልጣን ከይሕዙ ንምርግ ጋፅ እዩ ኢሎም።

ትራምፕ ቅድም ክብል ኣብ 2024 ንፕሬዝዳንትነት ክወዳደሩ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም እዮም።

ትራምፕ ካብ ስልጣኖም ይወርዱ ዘለው ኣብ ታሪኽ ዩናይትድ ስቴትስ ኣሰሓሐብቲ ካብ ዝኾኑ ፕሬዝዳንታት ሓደ ብምዃን እዮም።ብዝተኻየደ ናይ ዳህሳስ መፅናዕቲ ኣብ መንጎ ሪፓብሊካዊያን ኣድምፀቲ ብርቱዕ ደገፍ ዘለዎም እንተኾኑ እውን ብድምር ናይ ደገፍ መረጋገፂ ግን ዝተሓተ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቦም ኣለው።

Marist Poll ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ 16 ሚእታዊ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ዩናይትድ ስቴትስ እቲ ብሉፅ ፕሬዝዳንት ክብሉዎም ከለው 47 ሚታዊ ድማ ኣዚዮም ሕማቓት ካብ ዝኾኑ ሓደ ክብሉ መዲቦምዎ ኣለው።

ኣብ መውዳእታ ማዕልታት ስልጣኖም ትራምፕ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ፕሬዝዳንታዊ ትእዛዛት ፈሪሞም ኣለው።

ባይደን ኣገዳሲ ቁፅሪ ንዘለዎም ትእዛዛት ትራምፕ ብቕልጡፍ ክቕልብሱዎም ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG