ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዓቃባዊ ተቓላሳይን ጸሓፋይን ብረንት ቦዘል ነቲ ድምጺ ኣመሪካ ዝረከቦ ሓሙሽተ መሓውራት ዜና ዝሓዘ ትካል 'ኣህጉራዊ ሚድያ መንግስቲ ኣመሪካ` ንክመርሕ መዚዝዎ።
ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ኣብቲ `ትሩዝ ሶሻል` ዝብሃል ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ከም መስራትን ፕረዚደንትን ማእከል መጽናዕቲ መሓውራት ዜና ኮይኑ ን38 ዓመታት ዝሰርሐ ሰብ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሚድያ፡ ኣብ ሕትመት ኮነ ኣብ ኦንላይን ሚድያ፡ ክንዲ ብረንት ፍልጠትን ተመክሮን ዘለዎ ዳርጋ የለን ኢሉ።
እዚ ብረንት ቦዘል ክመርሖ ተመዚዙሉ ዘሎ፡ 'ኣህጉራዊ ሚድያ መንግስቲ ኣመሪካ` (ዩ-ኤስ-ኤ ጂ-ኤም) ዝብሃል መንግስታዊ ትካል፡ ንድምጺ ኣመሪካ ሓዊስካ ካልኦት ውን ከም መርበብ ፈነወ ማእከላይ ምብራቕ፡ ራድዮ ፍሪ ዩሮፕ፡ ራድዮ ፍሪ እስያ፡ ከምኡ`ውን ኩባ ብሮድካስቲን ዝብሃል መሓውራት ዜና ኣብ ትሕቲኡ ዘመሓድር`ዩ። ብፕረዚደንት ባይደን ተመዚዛ ነዚ ትካል ክትመርሖ ዝጸንሐት ኣመንዳ በነት፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ፕረዚደንት ትራምፕ ቃለ-ማሕላ ምስ ፈጸመ ብእኡ ንብእኡ ስልጣና ምርካባ ይፍለጥ።
ቅጥዒ