ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ ንመዐቀቢ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ሄላሪ ክሊንተን ከተጥቅዕ ጻውዒት ቀሪቡ


ሪፖብሊካዊ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ: ሩስያ ኣብ ልዕሊ መዐቀቢ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ Server ናይ ሰልፊ ደሞክራት ተቐናቓኒቶም ሄላሪ ክሊንተን ክትጠልፍ ማለት Cyber Attack ክትፍጽም ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ረቡዕ 27 ሓምለ ካብ ታምፓ ፍሎሪዳ ዘቕረብዎ ኣብ ጻውዒት: ሩስያ ድሮ ነቲ ካብ መዐቀቢ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ሰርቨር ሄላሪ ክሊንተን ተደምሲሱን ጠፊኡን ዝተባህለ 30 ሽሕ መልእኽቲ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ማለት E-mails ጠሊፋቶ ክትኸውን ከምእትኽእል ሓቢሮም።

ንሶም: " ሩስያ ትሰምዕ እንተላ: ተስፋ እገብር እቲ ጠፊኡን ተደምሲሱን ዝተባህለ መልእኽቲ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ረኺቦሞ ክኾኑሞ: ምርኣዩ ኣዝዩ ኣገራሚ ምኾነ። ብማዕከናት ዜናታትና ድማ ሞሳ ምተዋህበኩም " ክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። ሩስያ ቻይና ወይድማ ዝኾነት ካልእ ሃገር ነቶም ኤለክትሮኒካዊ መልእኽታት ኢመይል ሒዘንኦ እንተልየን ክዝርግሕኦምን ንሶም ድማ ክርእይዎ ከምዝደልዩን ኣፍሊጦም።

ሄላሪ ክሊንተን ካብ 2009 ክሳብ 2013 ላዕለወይቲ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ዝነበራሉ ንናይ መንግስታዊ ጉዳይ ናይ ውልቂ መዐቀቢ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ተጠቒመን ዝብል ተሪር ነቐፌታን መርመራን ክካየደለን ምጽንሑ ይፍለጥ። ውጽኢት ናይቲ መርመራ ከምዝሓበሮ ድማ 30 ሽሕ ዝበጽሕ መልእኽቲ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ከምዘይተረኽበዩ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ደሞክራት ልሒዂ ናብ ኢንተርነት ዝወጸ 20 ሽሕ መልእኽቲ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ነቲ ዋዕላ ሓሚስዎ ምቕናዩን ንኣደ መንበር ናይቲ ዋዕላ ብኣግኡ ካብ ስልጣነን ብወለንትአን ክሰናበታ ከምዝቐሰበን ይዝከር።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG