ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝምድና ኣሜሪካ ሩስያ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ’ዩ ዘሎ ክብሉ ፕረ.ትራምፕ ገሊጾም


ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኮንግረስ ኣንፃር ሩሲያ ማዕቐባት ብምንባር ምስ ሩሲያ ሓዱሽ ወጥሪ ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ሎማዕንቲ ሓሙስ ነቒፎም።ክሬምሊን እቲ ናይ ማዕቐባት ቅፅዓት ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝጎድእ እዩ ኢላ’ላ።

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም። ‘’ምስ ሩሲያ ዘለና ርክብ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ብዝኸፍአ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛ ትሑት ደረጃ በፂሑ’ሎ’’ኢሎም። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናትን ቅልውላው ናይ ኩባ ሚሳይልን ካብ ዝነበረ ወጥሪ ንላዕሊ ርእዮሞ ኣለው።

ኮንግረስ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ማዕቐብ ክንበር ብዓብላሊ ድምፂ ድሕሪ ምሕላፉ ፕረ.ትራምፕ ብዘይድልየቶም ትማሊ ረቡዕ ፈሪሞምሉ።ትራምፕ ብድምፂ ናይ ምስዓር ስልጣኖም/ቪቶ/ እንተዝጠቀሙ ነይሮም ኣባላት ቤት ምኽሪ ነቲ ቪቶ ብዝስዕር ዝለዓለ ድምፂ ስለዘፅደቑዎ ከይደለዩ ፈሪሞምሉ።ጉዳያት ወፃኢ ከይሰርሕ ስልጣነይ ዝድርት ዘይሕገመንግስታዊ ዓንቀፃት ዝሓዘ ጎደሎ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው።

እቲ ማዕቐብ ሩሲያ ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኣሜሪካ ፕረ.ትራምፕ ክዕወቱ ጣልቃ ብምእታዋ እዩ ።

ኣብናይ ቲዊተር መልእኽቶምናይ ሩሲያ ቀዳማይ ሚንስትር ዲሚትሪ መድቬደቭ ናይ ፕረ.ትራምፕ ፊርማ ንተስፋታት ምምሕያሽ ርክባት ዘብቐዐ እዩ ኢሎምዎ ኣለው ።

XS
SM
MD
LG