ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕን ሪፖብሊካንን ንስጉምቲ ምቁራጽ ወታሃራዊ ሓገዝ ንእስራኤል ይነቕፍ


ትራምፕን ሪፖብሊካንን ንስጉምቲ ምቁራጽ ወታሃራዊ ሓገዝ ንእስራኤል ይነቕፍ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:05 0:00

ትራምፕን ሪፖብሊካንን ንስጉምቲ ምቁራጽ ወታሃራዊ ሓገዝ ንእስራኤል ይነቕፍ

ኣመሪካ ኣብ ቀረባ ንእስራኤል እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ንምባል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣካል ርሱን ፕረዚደንታዊ ሞገተ ኮይኑ`ሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጉዳይ ኣንጻር ፖለቲካዊ መወዳድርቱ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቐፌትኡ ኣሐይሉ`ሎ።

ትማሊ ሰንበት ኣብ እስራኤል ንግዳያት ግብረ-ሽበራ ንምዝካር ስነ-ስርዓት ኣብ ዝተዳለወ እዋን፡ ስግር ዶብ ድማ፡ ፍልስጤማውያን ካብ ራፋሕ ውጹ ዝብል ናይ እስራኤል ትእዛዝ መጺዩዎም ኣሎ። ምኽንያቱ እስራኤል ኣብቲ ኣንጻር ሓማስ ተካይዶ ወተሃደራዊ መጥቃዕታ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ትርከብ ከተማ ራፋሕ ንምስፋሕ ምድላዋት ተካይድ'ላ። እዚ ኣብ እስራኤልን ቓዛን ዝተራእየ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ናይ ዓለም `ውን መቓልሕ ይፈጥር ኣሎ- ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣመሪካ። ሪፓብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ኒው ጀርሲ ንዳርጋ 100-ሺሕ ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ንጉዳይ ኵናት እስራኤልን ሓማስን ኣልዒሉ ተዛሪቡ ኔሩ።

"ኣነ ኣብ ዋይት ሃውስ ክህሉ ከለኹ ኣብ ቓዛ ኵናት የለን። ፕረዚደንት ከለኹ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቅድሚ ሽዕኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰላም እዩ ኔሩ።”

ምምሕዳር ባይደን ብምኽንያት`ቲ ኣብ ራፋሕ ኣንጸላልዩ ዘሎ ኩነታት ንእስራኤል ዝውሃብ ዝነበረ ዝተወሰነ ቦምባታት ጠጠው ድሕሪ ምባሉ ካብ ትራምፕን ሪፓብሊካኑን ነቐፌታ ክዘንቦ ጀሚሩ`ሎ።፡

ሪፓብሊካን ሰነተር ሊንሲ ግራሃም ምስ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣተሓሒዙ`ዩ ነቐፌትኡ ገሊጹ።

“ኣንጻር ጀርመንን ጃፓንን ንዋጋኣሉ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ፐርል ሃርበር፡ ከም ሃገር፡ ዕንወት`ዩ ኣጋጢሙና። ድሕሪኡ ንሂሮሺማን ናጋሳኪን ብኑክሌራዊ ቦምብ ብምጥቃዕ ነቲ ኵናት ክንውድኦ ወሲና። ቅኑዕ ውሳነ`ዩ ኔሩ። ሎሚ`ውን እስራኤል ነቲ ኵናት ንክትውድኦ ዘድልያ ቦምባ ክንህባ ኣለና። ስዕረት ኣየዋጻኣናን`ዩ። ግዳያት ንምንካይ`ውን ምስኦም ኢና ክንሰርሕ ዘለና።"

እቲ ምውሃብ ኣጽዋራት ጠጠው ኣብ ዝበለሉ እዋን`ውን ኣብዚ ቀረባ ናብ ኮንግረስ ዝቐረበ ሪፖርት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ኣብ እተካይዶ ኵናት ወተሃደራዊ ሓገዝ ብምጥቃማ ንናይ ኣመሪካን ዓለምለኻውን ሕግታት ትጥሕስ ኣላ ክብል ኣይደፈረን።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ኣብ ኤን፡ቢ፡ሲ ተሌቭዥን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣመሪካ ነታ መሻርኽታ ተሓታቲት ንምግባር ዕሽሽ ድያ ትብል ዘላ፧ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ኔሩ።

“ ኖ፡ ድርብ መዐቀኒ ኣይተጠቐምናን። ንእስራኤል ከም ሓንቲ መሻርኽቲ ኢና ንርእያ፡ ከም ዝኾነት መሻርኽቲ ሃገር'ያ። ኣብ ንጹር ዝኾነ ድምዳመ እንተበጺሕና ግን፡ ተሓታቲት ክንገብራ ኢና። ኣብ ማእከል`ዚ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ግን ከምኡ ክንገብር ኣጸጋሚ`ዩ።"

ኣባል ገስጋሲ ገለልተኛ ፖለቲካዊ ፓርቲ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ኣብ ኵናት እስራኤል ምስ ደሞክራቲካ ፓርቲ ዝወገነ ኮይኑ፡ ንሱ`ውን ምስ ኤን፡ቢ ሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት፡ እስራኤል ካብ ኣመሪካ ተዓሪፋ ወተሃደራዊ ረድኤት ክትረክብ የብላን ኢሉ።

“ 35- ሺሕ ፍልስጤማውያን ሞይቶም። 77- ሺሕ ቆጺሎም። ክልተ/ሲሶ ካብኦም ኣንስትን ቆልዑትን`ዮም። ከምዚ ጌርካ ኣይኮነን ኵናት ዝካየድ ኣብ ስልጡን ዓለም።”

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንዳግመ ምርጫ ዝገብሮ ጎስጓስን ከም ፕረዚደንት ኮይኑ ዝገብሮ ስራሕን ከመዛዝን ኣብ ዝፍትነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ብዛዕባ ምቁራጽ ንእስራኤል ዝውሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ብሪፓብሊካን ኣባላት ባይቶ ሓዲሽ ብድሆ ይጽበዮ`ሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ብኻልእ ወገን ሎሚ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ተመሊሱ፡ ምስ ናይ ቀደም ሓጋዚኡ ዝነበረ ማይክል ኮሀን ክፋጠጥ`ዩ፡ ኮሀን ብዛዕባ'ቲ ትራምፕ ምስጢር ንምሕባር ገንዘብ ከፊሉ ተባሂሉ ኣብ ኒውዮርክ ተኸሲስሉ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ቃለ-መስክርነቱ ንክህብ`ዩ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG