ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ኣቓልቦ ይስሕብ


መደረ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ኣቓልቦ ይስሕብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

መደረ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ኣቓልቦ ይስሕብ

ርፓብሊካዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብቐዳም ኣብ ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ፡ ኣብ ደይተን ኦሃዮ ዝተዛረቦ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ኣሎ። መደረኡ ኣብ መክሲኮ ብዛዕባ ዝፈሪ ቻይናዊ ስራሓት መካይን’ዩ።

"ካብቲ መስመር ንዝመጽኣ መካይን 100% ቀረጽ ከነኽፍለን ኢና። ኣነ ምስ ዝምረጽ ድማ ነዘን መካይን ኣብ ኣመሪካ ምሻጥ ኣይክከኣልን’ዩ። ኣነ እንተ ዘይተመሪጸ ድማ እዛ ሃገር ክትደሚ’ያ። ብደም ከተዕለቕልቕ’ያ።”

ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ቃል እቲ ተወዳዳሪ ንግጭትን ደም ምፍሳስን ምዕዳም ኣይኰነን ክብሉ ይምጕቱ። ርፓብሊካዊ ኣባል ሰነት ቢል ካሲድይ’ውን ምስ መደበር ቴለቪዥን ኤንቢሲ (NBC) ኣብ ዝነበሮ ጻንሖት ንኣበሃህላ ትራምፕ ክብርህ ፈቲኑ ኣሎ። ኣባል ሰነት ካሲድይ ከም ዝብሎ፡ እቲ ውድድር ኣብ መንጎ ትራምፕን ባይደንን ስለ ዝዀነ፡ ደገፍቲ ክልተኦም ብዝመረጹዎ ኣገባብ ክትርጕሙዎ ይኽእሉ’ዮም። ሰዓብቲ ባይደን ንደም ምፍሳስ ከም ምጽዋዕ ክርእዩዎ ይኽእሉ’ዮም ዝበለ እቲ ኣብ ኣባል ሰነት፡ ብወገን ትራምፕ ግን ኣመሪካ ኣትያቶ ካብ ዘላ ቍጠባዊ ሕሰም ንምግልጋል ከም ዝርአ ይኣምን።

ኣብቲ ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ዝተኻየደሉ ኦሃዮ ግን ደገፍቲ ትራምፕ መርገጺኦም ንጹር’ዩ። ኣብ ቤት ምኽሪ ተወካሎ ህዝቢ ካብ ኦሃዮ ዝመጽአ ማይክ ተርነር፡ ነቶም ብወገን መክሲኮ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታት “ሰባት ኣይኰኑን” በሃላይ’ዩ። ንሱ ብተመሳሳሊ ኣብ መደበር ቴለቪዥን ኤንቢሲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ንፖሊሲ ባይደን ኣብ ኣተሓሕዛ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት’ውን ነቒፉ ኣሎ።

ነቲ ቅድሚ ሎሚ ብፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝተባህለ ተሪር መርገጺ ብምዝካር ማይክ ተርነር “ብርግጽ’ዩ ኣነ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተባህሉ ኣይሰማማዕን’የ። ብዙሓት ኣመሪካውያን’ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ዘለዎም ይመስለኒ። እንተዀነ ነዚ ዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት እቲ እንኮ ክፈትሖ ዝኽእል ተወዳዳሪ ትራምፕ ምዃኑ ድማ ብዙሓት ዝሰማምዑ ይመስለኒ።”

ትራምፕ ኣብቲ ናይ ቀዳም መደረኡ’ውን ብዛዕባ ፕረዚደንት ባይደን ኣስዒቡዎ ዝበሎ ቍጠባዊ ቅልውላውን ንምዕራዩ ዘድሊ ስጕምቲን ተዛሪቡ ነይሩ።

"ኣብዚ ምርጫ እንተ ዘይተዓዊትና፡ ኣብዛ ሃገር ብሕጂ ትርጕም ዘለዎ ምርጫ ዝህሉ ኣይመስለንን። ካልእ ምርጫ ኣሎ ኣይብልን፡ እንተልዩ’ውን ጥቕሚ ዘለዎ ምርጫ ኣይመስለንን። ስለዚ እቲ ዘሎና ዕድል ወጺእና ድምጺና ምሃብ’ዩ። ሕጂ’ውን ከዘኻኽረኩም ምርጫ ዝካየደላ 5 ሕዳር ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር ዝተፈልየት መዓልቲ ኰይና ክትምዝገብ’ያ።”

ትራምፕ ሓያል ጎስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን ግን ወፍሪ ምርጫ ባይደን’ውን ካልእ ዓወታት የመዝግብ ኣሎ። እቲ ወፍሪ ኣብ ሓጺር እዋን ዝኣከቦ ሓገዝ ምርጫ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ’ዩ። ድሮ 155 ሚልዮን ገንዘብ ኣኪቡ ኣሎ። ካብዚ እቲ 53 ሚልዮን ኣብ ወርሒ ለካቲት ጥራይ ዝተኣከበ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG