ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዩክሬን ወሃብ ሓገዝ ደው ክብል ትማሊ ሰኑይ ትእዛዝ ምሕላፎም ቤተ መንግስቲ ዋይት ሓውስ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎድምየር ዘለንስኪን ዝሓለፈ ቅነ ዝተራኣየ ውጥረት ዝሓየሎ ርክብ፣ መጻኢ ኩነታት ዩክሬን ንሃገራት ኣውሮጳ ሻቅሎት ፈጢሩይርከብ። እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ኦቫል ኦፊስ እቲ ጭቅጭቅ ዝተላዓለ ኣብ ኣጠቃቅማ ክቡራት መዓድናት ዩክሬንኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ብዘይምኽኣሉ እዩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዩክሬን ክትድሕን እንተኾይኑ መራሒኣ ዘለንስኪ ንውዕል ሰላም ክፍርመሉ ኣለዎ ኢሎም።
ቅጥዒ