ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ትራምፕ ንከተማ እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ሂቦም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንከተማ እየሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ምኳና ኣፍልጦ ብምሃብን ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ቴል ኣቪቭ ናብ ከተማ እየሩሳሌም ከምዝግዕዝ ገሊጾም።ንሶም ነዚ ዝገለጹ ኣብ መንጎ’ቲ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ኣብ ዝወሃበሉ ጊዜ’ዩ።

“እየሩሳሌም ማእከል ሰለስተ ሃይማኖታት ጥራይ ዘይኮነት ዋና ማእከል ናይ ዓለምና ዝበለጸ ዕውት ዲሞክራሲ’ውን እያ። ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ሰብዓ ዓመታት ህዝቢ እስራኤል ንኣይሁድ፡ ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ብሓባር ዝነብሩሉን ከከም እምነቶም ዘምልኽሉን ሃገር ክሃንጹ ጸኒሖም እዮም”ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝኻየድ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምስላጥ ተወፋይነታ ከምትቕጽል ሓቢሮም።

ሃገራት ዓረብን ኣመንቲ እስልምና ዝኾና ሃገራት እዚ ውሳኔ ኣብቲ ዞባ ውጥረት ዘለዓል’ዩ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብን እስራኤል ክብጻሕ ዝድለይ ስምምዕ ሰላም ንዝኻየድ ዘሎ ጻዕርታት ኣሜሪካ ዘዕንው’ዩ ይብሉ ኣለው።

ፍልስጤማዊያን ብወገኖም ንውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ብምቅዋም “ሰለስተ ናይ ቁጥዐ” መዓልታት ምእዋጆም ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሩሃኒ ንውሳኔ ፕረዚደንት ፕራምፕ “ ግጉይ፡ዘይሕጋዊ:ተንኳሲን ሓደገኛ” እዩ ኢሎም ድሕሪ ምግላጽ “ ኢራን ንናይ እምነት እስልምና ቅዱስ ቦታታት ዝግህስ ውሳኔ ኣይትዕገስን፡ ኣመንቲ እስልምና ድማ ኣንጻር እዚ ስጉምቲ ብሓባር ደው ክብሉ ይጽውዕ” ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ብወገኖም እቲ ስጉምቲ “ብኸቢድ ከምዘተሓሳሰቦም” ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ቱርኪ ድማ ንትካል ሕብረት ሃገራት ኣመንቲ እስልምና ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ ግብረ መልሲ ክህብ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ግን ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ንህዝቢ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ነቲ ጉዳይ ኣየልዓልዎን።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ታሪካዊን ዘመናዊ ክውንነት ዘድልይ ጻውዒት’ዩም ኣፍልጦ ሂቦም ክብሉ ነቲ ውሳኔ ደጊፎም ኣለው። እዚ ስጉምቲ ነቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ዝአተውዎ ቃል ዘተግብር ኮይኑ ካብ ኣይሁዳዊያንንን ወንጌላዊያን ክርስትያን ደገፍ ዝረኽብሉ’ውን እዩ።

ካብ ብራስለስ መግለጺ ዝሃቡ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ፕረዚደንት ትራምፕ ንመስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ውፉይ ምኳኖም፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ሓደ ጉጅለ ኣዳልዮም ብልዑል ጻዕሪ ይሰርሑ ኣለው ድሕሪ ምባል ነቲ ሎሚ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝወሃብ መግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ብጥንቃቐን ምሉእ ንምሉእ ክሰምዑ ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ውሳኔኦም ምስ ቀ.ሚንስትር ነታንያሁ፡መራሒ ፍልስጤም መሓሙድ ዓባስን ካልኦት ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ብቴሌፎን ከምዝተዘራረቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ኣብ 1995 ዓ.ም ብፕረዚደንት ክሊንተን ዝሓለፈ ሕጊ ምግዓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ናብ የሩሳሌም ንሃገራዊ ደሕንነት ኣሜርካ ዘስግእ እንተኾይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ እቲ ኤምባሲ ከይግዕዝ ዝእዝዝ ፊርማ ፕረዚደንት ይፍርም። ካብ ፕረዚደንት ክሊንተን ጀሚሩ ድማ ነፍሲ ወከፍ ፕረዚደንት ነዚ ፊርማ ክፍርም ዝጸንሓ ምኳኑ ይፍለጥ።

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ብወገኖም ሃገሮም ኤምባሲኣ ናብ ከተማ የሩሳሌም ናይ ምግዓዝ መደብ ከምዘይብላ ኣፍሊጦም።

ናይ ኣሜሪካ ጠቕላሊ ቆንስል ኣብቲ ዞባ ኣሜሪካዊያን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ስድራቤቶምን ኣብዚ ተደጋጋሚ ተቓውሞ ንምክያድ ጻውዒት ዝኻየደሉ እዋን ናብ ከተማታት ቤትልሄም፡እየሩሳሌምን ጀሪኮን ከይንቀሳቀሱ ኣዚዞም ኣለው።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ’ውን ሓለዋ ጸጥታኣን ከሓይላ ትእዛዝ ወጺኡ'ሎ'

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG