ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘እንተድኣ ሃሊዩ’ መቕተልቲ ጀማል ኻሾጊ ዘርኢ ድምፅን ምስልን እደሊ እየ ኢሎም ፕ/ት ትራምፕ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ሰበስልጣን ቱርኪ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንሱላር ስዑዲ ዓረብ ብስዑዳዊያን ወኪላት ተቐቲሉ ሬስኡ ተቖራሪፁ ናይ ዝበሉዎ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ድምፅን ምስልን ‘’እንተድኣ ሃሊዩ’’ ካብ ቱርኪ እደሊ ኣለኹ ክብሉ ገሊፆም።

ትራምፕ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝሃብዎ ሓፂር መግለፂ ንናይ ኒዊሕ እዋን መሓዛ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ዘለዎም ደገፍ ብምግላፅ ምርመራ ምስዋር ናይቲ ጋዜጠኛ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክዛዝመ እዩ ኢሎም።ስዑዲ ዓረብ ኻሾጊ ተቐቲሉ ንዝብል ክትነፅጎ ፀኒሓ’ላ።

ዩናይትድ ስቴትስ ስለምንታ ንርእሳ ተርሕቕ ኣላ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ትራምፕ ‘’ብሓቂ ንምዝራብ ናይ 110 ቢሊዮን ዶላር ዕዲጊት ኣዚዞም ኣለው’’ ክብሉ ገሊፆም።በቲ ምርመራ ንጉስ ሳልማንን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ተሓታቲ እንተድኣ ኮይኖም ዝወስዱዎ ስጉሚት ተሓቲቶም ‘’ኣብ ጎኒ ዝሓሸ ናይቲ ፎርሙላ ጠጠው ክንብል ተስፋ እገብር’’ክብሉ መሊሶም።

ሪኢቶ ትራም ዝስማዕ ዘሎ ምንስቴር ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ቱርኪን ብምብፃሕ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ተዘራሪቦም ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣብዘለውሉ እዋን እዩ።

ጋዜጣ Wall Street Journal ስዑዳዊያን ንኻሾጊ ኣሳቒዮም ምስ ቀተሉዎ ኣካላቱ ቆራሪፆምዎ ክትብል ትማሊ ሰሉስ ፀብፂባ’ላ።ደገፍቲ መንግስቲ ቱርኪ ዝኾና መራኸቢ ማዕኸናት እውን ብተመሳሳሊ ፀብፂበንኦ ኣለዋ።ሰበስልጣን ቱሪኪ ዝርዝር ዝተቐድሐ ድምፂ ንሰበስልጣን ስዑዲን ዩናይትድ ስቴትስ ከምዘረከቡ እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG