ምሩጽ-ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ቅድም ጋዜጠኛ ፎክስ ኒውስን ኣማሓዳሪት ኣሪዞና ንምዃን ፈቲና ዝነበረትን ካሪ ሌከ ዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካ ክትከውን ሓርዩ። ትራምፕ ብረቡዕ’ዩ ኣብቲ ንሱ ዝመርሖ ትሩዝ ሶሻል ዝተባህለ ማሕበራዊ መራኸቢ ነዚ ሓበሬታ ኣካፊሉ።
ኣብ 2021 ንኣማሓዳሪት ክፍለ-ሃገር ኣሪዞና ንምዃን ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ዝተሰናበተት ሌክ ቅድሚኡ ን27 ዓመታት ዝኸውን ከም ጋዜጠኛ ዝሰርሐት’ያ።
ኣብቲ ደጊማ ንሰነት ዝተወዳደረትሉን ዘይተዓወትትሉን ናይዚ ዓመት ምርጫ’ውን “ኣሪዞና ቀዳምነት ኣመሪካ ንዝብል ፖሊሲ መሪሕነት እትሕዝ’ያ፡” ኢላ ነይራ።
ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ፈጻሚ ዳይረክተር ምምሕዳር መዲያ ኣመሪካ ክረቍሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝምወል ትካል ሜዲያ ኣመሪካ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሓወሰ ኰይኑ፡ ናብዚ መዝነት ዝሕዝ ሰብ ብመንገዲ ሰነት ኣመሪካ ክጸድቕ የድልዮ።
ዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ማይክል ኣብራሞዊዝ ብሓሙስ ናብ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል፡ ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ መዝነት ዝበጽሖ ሓበሬታ ከም ዘየሎ ብምጥቃስ፡ “ንዝመጽእ ዳይሬክተር ስሉጥ ምስግጋር ንምግባር ምሉእ ምትሕብባር ከርኢ’የ፡” ኢሉ።
ሌክ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ነቲ ሓድሽ ዝተመዘዘቶ ሓላፍነት ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ብምግላጽ፡ “ድምጺ ኣመሪካ ኣብቲ ዝቖመትሉ ዕላማ ንዓወታትን ስራሓትን ኣመሪካ ንኻልእ ክፋል ዓለም ክትነግር’ያ፡” ኢላ።
ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሌክ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይቀንዖን።
ብ49 ቋንቋታት ፈነወ ዘለዎ ድምጺ ኣመሪካ ሰሙናዊ ንኣስታት 354 ሚልዮን ሰማዕቲ ይበጽሕ። ሕጂ ዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካ ዘሎ ማይክል ኣብራሞዊዝ፡ ቅድሚ’ዚ ናይ ሎሚ መዝነቱ ፕረዚደንት ፍሪዶም ሃውስ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝመርሕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቅድሚኡ ድማ ንልዕሊ 24 ዓመታት ጋዜጠኛን ኣሰናዳኢን ጋዜጣ ዘ ዋሺንግተን ፖስት’ዩ ነይሩ።
ቅጥዒ