ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊያን ማዕልቲ ሓርበኛታት ዘኪሮም ውዒሎም


ኣሜሪካዊያን ሎማዕንቲ ሰኒ ንስውኣት ኲናት ይዝክሩ ኣለው።ከም ፕሬዝዳንት ንፈለማ ግዜ ነዚ ዕለት ዘኽበሩ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብ ሃገራዊ መቓብር ሓርበኛታት ኣርሊንግተን ኣብ ሓደ ናይ ዘይተፈልጠ ወታደር መቓብር ጉንጉን ዕምባባ ኣንቢሮም ኣለው።

‘’ንዓወትን ነፃነትን ክብሉ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ክብርን ሞገስን ይግብኦም’’ ኢሎም እቶም ፕሬዝዳንት።‘’ኣፍልጦ ንምርካብ ወይ ንገንዘብ ወይ ንዝና ከይኮነስ ንሃገሮም መስዋእቲ ከፊሎም እዮም’’ኢሎም።

ማዕልቲ ሓርበኛታት ኩሉሻዕ ናይ መወዳእታ ሰኒ ወርሒ ግንቦት ብደረጃ ሃገር ተኸቢሩ ይውዕል።

XS
SM
MD
LG