ዋሽንግተን —
ጎረባብቲ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ፍልስጤማውያን ንምዕቋብ ኣብ ዝግበር መስርሕ ንምስታፍ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሰሉስ ናብ ቤት መንግስቲ ዋይት ሃውስ ንመራሒ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላ ካልኣይ ረኺቦም ከዘራርቡ’ዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሃገሮም ንቓዛ ተቖጻጺራ ናብ ብሉጽ ስፍራ ንምልዋጣ መደብ ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም ነይሮም።
ከም ኣገላልጻ እቶም ፕረዚደንት፡ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዮርዳኖስን ግብጺን’ዮም ክግዕዙ'ዩ። ምብጻሕ ንጉስ ዮርዳኖስ ናብ ዲሲን ምርኻብ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ’ዩ።
ዑደት ንጉስ ዓብደላ ካልኣይ፡ ምቍራጽ ተጻብኦ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝኻየድ ዘሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ቀዳም ፍርቂ መዓልቲ እንተዘይተፈንዮም ነቲ ስምምዕ ከፍርሱዎ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም ነይሮም።
ቅጥዒ