ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወዲ ንፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ሩስያዊት ጠበቓ ምርኻቦም ዘረጋግጽ ናይ ኢሜል መልእኽትታት ወግዓዊ ጌሮም


ሩስያዊት ጠበቓ(የማን) ምስ ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር
ሩስያዊት ጠበቓ(የማን) ምስ ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር

ወዲ ንዶናልድ ትራምፕ፣ዶናልድ ትራምፕ ጁኒየር ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ፕረዝዳንታዊ ወፍሪ ምርጫ ንሂላሪ ክሊንተን ዝጎድእ ሓበሬታ ንምቕባል ምስ ናይ ሩሲያ ጠበቓ ሕጊ ምርኻቦም ዘረጋግጹ ናይ ኢሜይል መልእኽትታት ብወግዒ ኣውፂኦም።

ቦኽሪ ወዶም ንፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ኣካል መንግስቲ ሩስያ ንፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝህብዎ ደገፍ “ዕዙዝን ምስጥራዊን ’’ ዝተባህለሉ ሓበሬታ ንምቕባል ካብ “ጠበቓ መንግስቲ ሩሲያ ’’ ዝቐረበ ግብዣ ዘረጋግፅ ናይ ኢሜይል ምልውዋጥ ትማሊ ሰሉስ ወግዓዊ ገይሮም ኣለው።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ሳራ ሃካቢ ሳንደርስ ግን ፕረዝደንት ትራምፕ ንወዶም ዘለዎም ደገፍ ዝገልፅ ሓንቲ መስመር መግለፂ ኣንቢበን።

“ወደይ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ሰብ እዩ፤ንዘርኣዮ ግልፁነት ክኣ ኣጣቒዐሉ ኣለኹ።ካብዚ ንላዕሊ ግን ምስዚ ዝተኣሳሰር ኩሉ ሕቶ ናብ ናይ ጆን ጠብቓ ክተቕርቡ ትኽእሉ፤ካብዚ ንላዕሊ ዝውስኸሉ ነገር የለን።”

ዲሞክራሲያዊያን ተቓወምቲ ነዚ ሓድሽ ዝወፀ ሓበሬታ ብትሪ መልሲ ሂቦምሉ ኣለው።ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ መራሒ ዴሞክራሲያዊያን ሰኔተር ቻክ ሹመር እዚ ናይ ኢሜይል መልእኽትታት ሰራሕተኛታት ወፍሪ ምርጫ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሂላሪ ክሊንተን ንምስዓር ምስ ሩሲያ ሓቢርና ኣይሰራሕናን ክብል ዋይት ሃውስ ክነፅጎ ንዝፀንሐ ዝፃባእ እዩ ኢሎም ኣለው።

“እዞም ኢሜይላት እዚኦም ብውሁድ ንሰርሕ ኣይነበርናን ብዝብል በቲ ምምሕዳርን በቶም ፕረዝዳንትን ይንፀግ ንዝነበረ መልሲ መርትዖ ዝሃበ እዩ።”

ሪፓብሊካዊያን እቲ ኢሜይል ሕማቕ ከምዝኾነ ኣሚኖም ኣለው።ናይ ብዙሃን ፓርቲ መራሒ ሰኔተር ሚች ሚኮኔል ይካይድ ንዘሎ ምርመራ ደገፎን ገሊፆም።

“እወ. ኣብ ልዕሊ ነዚ ምርመራ ሒዙዎ ዘሎ ኮሚቴ ስለያ ዝለዓለ እምነት ኣለኒ።ሰኔተር ቡርን ሰኔተር ዋረንን እዮም ነታ ኩዕሶ ተቖፃፂሮምዋ ዘለው፤ፀኒሕና ካብኦም ክንሰምዖ ኢና።”

መልእኽትታት ኢሜይል ናይ ዶናልድ ትራምፕ ጂኒየር ቅድሚ ሎሚ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ናይ ሕጊ ሕቶ ኣልዒሉ’ሎ።ኣብ ዪንቨርስቲ ኒው ዮርክ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ባፋሎ ጄምስ ጋርድነር ከምዚ ይብሉ።

“ከምዚ ዝበለ ኩነታት ተላዒሉ ኣይፈልጥን።ኣብቲ መፅሓፍ ወይ ሕጊ ኣሎ፤ከምዚ ዝኣመሰለ ሃውህው ተፈጢሩ ኣብ ግብሪ ዝውዓለ ግን ኣይኮነን።ኣዚዩ፣ኣዚዩ ዘይዝውቱር እዩ።”

ትራምፕ ጁኒየር ዝኾነ ጌጋ ኣይፈፀምኩን፤ምስ ጠብቓ ሕጊ ሩሲያ ተራኺበ እውን ጠቓሚ ሓበሬታ ኣይተቐበልኩን ክብሉ ነፂጎምዎ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG