ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኑክሌራዊ ስምምዕ ኢራን ከምዘየኽብርዎ ኣፍሊጦም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኑክሌራዊ ስምምዕ ኢራን
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኑክሌራዊ ስምምዕ ኢራን

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኑክሌራዊ ስምምዕ ኢራን ከምዘየኽብርዎ ሎሚ ዓርቢ 12 ጥቅምቲ 2017 ንውሳነኦም ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዮም ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ናይ ዓለምና ግብረሽበራ ደጋፊት ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝበልዎ ኢራን ተወሳኺ ትርር ዝበለ ኣተሓሕዛ ክግበር ዝጸውዑ ክኾኑ እንከለው: ሓድሽ እገዳ ክትግበር ከምዝእዝዙ ኣፍሊጦም ኣለው።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ረክስ ቲለርሰን ብወገኖም ቀቅድሚ መግለጺ ውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ: ውሳነ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናይ 2015 ምስ ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባል ሃገራት ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኑክሌራዊ መደባት ኢራን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ዝቕይር ከምዘይኮነ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG